ብሪጣንያ ካብ ኤርትራን ካልኦት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ንዝውሕዙ ስደተኛታት ንምግታእ ምስ ሱዳን ትዝቲ

ብሪጣንያ ካብ ኤርትራን ካልኦት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ንዝውሕዙ ስደተኛታት ንምግታእ ምስ ሱዳን ትዝቲ

Radio Erena: 04 December 2015

she

ብሪጣንያ ካብ ኤርትራን ካልኦት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ንዝርአ ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ዝዓለም ርክብ ምስ ሱዳን ኣካይዳ።

ሓላፊ ጉዳይ ስደተኛታት ዝመርሖ ልኡኽ መንግስቲ ብሪጣንያ ምስ ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ዓብደል ቓኒ ኣል ናዕም ብሮቡዕ 2 ታሕሳስ ኣብ ካርቱም ኣብ ዝገበርዎ ርክብ፣ ብሪጣንያ ነቲ ብዶብ ሱዳን ዝግበር ዘሎ ዋሕዚ ንምግታእ ምስ ሱዳን ክትተሓባበር ድልውቲ ምህላዋ ተዘራሪቦም።

ዝበዝሐ’ቲ ናብ ኤውሮጳ ዝግበር ዘሎ ዋሕዚ ስደት ካብ ሱዳን ይብገስ ምስ ምህላዉ፣ ብሪጣንያ ብፍላይ ኣብ ምህዳን ደላሎን ኣሰጋገርቲ ሰባትን ንዝነጥፉ ሰባት ኣብ ምህዳን ምስ ሱዳን ክትተሓባበር ከምእትደሊ’ያ ትገልጽ።

 

ኣብቲ ርክብ ኣምባሳደር ብሪጣንያን ኣብ ሱዳንን ወኪል ምክልኻል ገበን ብሪጣንያ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን’ውን ተረኺቦም ኔሮም።

ብሪጣንያ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ነቲ ምስ ፈረንሳ ዘዳውባ ከባቢታት ብጽኑዕ ኣብ ርእሲ ምዕጻዋ፣ እቲ ዋህዚ ካብ ዝጅምረሉ ሃገራት ብፍላይ ካብ ሱዳን ንምክልኻሉ’ያ ምስ መንግስቲ ሱዳን ብሓባር ንምስራሕ ትዝቲ ዘላ።

ካብ ዶባት ሱዳን ዝብገሱ ኣሽሓት ዜጋታት ሱዳን፣ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብመንገዲ ሊብያን ማእከላይ ባሕርን ኣቢሎም ናብ ብሪጣንያን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን ንምስጋር ከምዝሕልኑ ይፍለጥ።

================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0