ብሪጣንያ ኣብ ሱዳን ኣብ ዝካየድ ልምምድ ሰራዊት ሃገራት ም. ኣፍሪቃ ክትሳተፍ’ያ

ብሪጣንያ ኣብ ሱዳን ኣብ ዝካየድ ልምምድ ሰራዊት ሃገራት ም. ኣፍሪቃ ክትሳተፍ’ያ

Radio Erena: 16 November 2017

sudan and UKብሪጣንያ፣ ኣብዚ ወርሒ ኣብ ሱዳን ኣብ ዝካየድ ሓባራዊ ልምምድ ፍሉይ ሓይሊ ሰራዊት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ክትሳተፍ ምዃና ኣፍሊጣ።

ብሪጣንያ ነዚ ተፍልጥ ዘላ፣ ኣብቲ ሓባራዊ ልምምድ ዝውዕል ወትሃደራዊ ሊጂስቲካዊ ሓገዛት ንምብርካት ምስ ሱዳን ስምምዕ ኣብ ዝኸተመትሉ’ዩ።

ነቲ ስምምዕ፣ ብወገን መንግስቲ ሱዳን ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሜጀር ጀነራል ዒማድ ዔዲን ሙስጠፋ ዓዳዊ፣ ብወገን ብሪጣንያ ድማ ኣምባሳደር እታ ሃገር ኣብ ሱዳን ሚኪኤል ኣሮንን’ዮም ብ14 ሕዳር ከቲሞሞ።

 ኣብዚ ወርሒ’ዚ ኣብ ፖርት ሱዳን ኣብ ዝካየድ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ 10 ሃገራት’ቲ ዞባን ብሪጣንያን ክሳተፋ’የን።

እዚ ብጅቡታዊ ዓብዱላሂ ዑመር ቡሕ ዝምራሕ ዞባዊ ሓይሊ ዕማም፣ ሓደ ካብቲ ሓሙሽተ ንኣፍሪቃ ዝወከለ ሓይልታት ኮይኑ፣ ኣባላት ሰራዊት፣ ሓይሊ ፖሊስን ኣብ ምምሕዳራዊ ንጥፈታት ዝተዋፈሩ በርጌስን ዘጠቓለለ’ዩ።

ዕላማ እዚ ዞባዊ ሓይሊ፣ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ከጋጥም ንዝኽእል ከበድቲ ጸጥታዊ ስግኣት ቅልጡፍ ምላሽ ንምሃብ እኳ እንተኾነ፣ ዛጊት ኣብ ዝኾነ ተልእኾ ኣይተዋፈረን።

ኤርትራ፣ ኣብዚ ድሕሪ ገለ መዓልታት ዝካየድ ሓባራዊ ልምምድ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ክትሳተፍ ምዃናን ዘይምዃናን ዛጊት ኣይተነጸረን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0