‘ብሪጣንያ፣ ካብ 14 ሰነ፣ ምስግጋር ሓተቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ክትጅምር’ያ’

Radio Erena: 01 June 2022

ብሪጣንያ፣ ቀዳማይ ጉጅለ ሓተቲ ዑቕባ፣ ናብ ርዋንዳ ናይ ምስግጋር መስርሕ ኣብ 14 ሰነ ክትጅምሮ ምዃና ሚኒስተር ዘቤታዊ ጉዳያት፣ ንፕሪቲ ፓተል ብምጥቃስ ዘ ጋርድያን ሓቢሩ።

መንግስቲ ብሪጣንያ፣ ነቶም ናብ ርዋንዳ ከሰጋግሮም ዝወሰነ ሓተቲ ዑቕባ፣ ምድላዋት ክገብሩ ኣፍሊጥዎም ከምዘሎ እቲ ምንጪ ብተወሳኺ ጠቒሱ።

ኣብዚ ቀዳማይ ዙርያ፣ ኣስታት 50 ዝኾኑ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ክሰጋገሩ ትጽቢት ኣሎ።

ብሪጣንያ፣ ካብ ሓደ ጥሪ ኣትሒዞም ናብታ ሃገር፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣተዉ ሓተቲ ዑቕባ፣ ናብ ርዋንዳ ንምስግጋሮም ምስ መንግስቲ እታ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር ምስምምዓ ይፍለጥ።

እንተኾነ፣ እቲ ስምምዕ ብተጣበቕቲ መሰል ስደተኛታት ተሪር ተቓውሞ ስለዝገጠሞ፣ ግብራዊ ክኸውን ከምዘይክእል ግምታት ተዋሂብዎ ጸኒሑ።

ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ፣ ካብ ብሪጣንያን ርዋንዳን ብዝተዋህበ ሓበሬታ መሰረት ግና፣ እቲ ስምምዕ ናብ ግብሪ ንምውዓሉ፣ ቀዳማይ ዙርያ ንምስግጋሮም ተጻፊጹ ይርከብ።

ሆቴላት ርዋንዳ፣ ነዞም ካብ ብሪጣንያ ዝስጎጉ ሓተቲ ዑቕባ ንምትእንጋድ ምድላዋት የካይዳ ምህላወን መርበባት ዜና ካብ ኪጋሊ ጠቒሰን።

ብመሰረት እቲ ስምምዕ፣ ርዋንዳ፣ ሓተቲ ዕቕባ ንምቕባል፣ ናይ ልዕሊ 150 ሚልዮን ዶላር ፊናንስያዊ ሓገዝ ካብ ብሪጣንያ ክትወሃብ’ያ።

ርዋንዳ ኣቐዶማ’ውን ምስ እስራኤል ተመሳሳሊ ስምምዕ ብምኽታም፣ መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራ ዝኾኑ ኣስታት 4 ሽሕ ሓተቲ ዑቕባ ተቐቢላ’ያ።

እቶም ሓተቲ ዑቕባ፣ ናብ ርዋንዳ ንምግዓዝ ዝተኣትወሎም መብጽዓታት ስለዘይተተግበረ፣ ከም እንደገና ናብ ኡጋንዳ፣ ኢትዮጵያ ሱዳንን ሊብያን ጉዕዞ ስደቶም ብምንዋሕ፣ ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ዝኣተዉ ብዙሓት’ዮም።
===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0