ብሪጣንያ፣ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንዝተራእየ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ንምምካት ኣስታት 20 ሚልዮን ዶላር ለጊሳ

Radio Erena: 27 July 2020

ብሪጣንያ፣ ኤርትራ ኣብ እትርከበን ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ንዝተራእየ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ንምምካት ዝውዕል ኣስታት 20 ሚልዮን ዶላር ብሓገዝ ኣበርኪታ።

እቲ ሓገዝ፣ ብመንገዲ ውድብ መግብን ሕርሻን ኣብ ምምካት ወራር ኣንበጣ ክውዕል’ዩ።

ካብ መወዳእታ ኣዋርሕ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ፣ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝተራእየ ወራር ዕስለ ኣንበጣ፣ ዛጊት 10ታት ኣሽሓት ሄክታር ልሙዕ መሬት ከጥቅዕ እንከሎ፣ ሚልዮናት ሰባት ተጸበይቲ ህጹጽ ረዲኤት ክኾኑ ኣገዲዱ።

ብወራር ዕስለ እንበጣ ብዝያዳ ዝተሃስያ ሃገራት ኢትዮጵያን ሶማልን እኳ እንተኾና፣ ኣብተን ካልኦት’ውን ኣሽሓት ስድራቤታት ንሓደጋ ጥሜት ተቓሊዖም’ዮም።

ውድብ መግብን ሕርሻን ምስ 10 ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ብምትሕብባር ኣብ ዝግበሮ ዘሎ መኸተ ወራር ዕስለ ኣንበጣ፣ 600 ሽሕ ሄክታር መሬት ካብ ብርሰት ተኸላኺሉ።

ኣብ ልዕሊ 400 ሚልዮን ዝኣኽሉ ኣንበጣ፣ መድሃኒት ብምንጻግ፣ 1.2 ሚልዮን ቶን ዝግመት እኽሊ ከምዘድሓነ’ውን ይገልጽ።

ተወሳኺ መኸተ ንምክያድን በቲ ወራር ንዝተሃስዩ ንምሕጋዝን ድማ ናይ ልዕሊ 170 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ካብ መሻርኽቲ ይሓትት።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0