ብሪጣንያ፣ ንርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ልዕሊ 35 ሚልዮን ዶላር ለጊሳ

Radio Erena: 12 September 2019

ብሪጣንያ፣ ንመንግስቲ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ 35 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ከምዝሃበ ኣፍሊጡ።

እቲ ክሳብ 2022 ዓመት ምህረት ዝጸንሐ ናይ ሓገዝ መደብ፣ ኣብ ምህናጽን ምርግጋእ ጸጥታን እታ ሃገር ክውዕል ምዃኑ መግለጺ ክፍሊ ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝን ልምዓትን ብሪጣንያ ሓቢሩ።

እቲ ናይ ምትሕግጋዝ ስምምዕ ዝኸተመ፣ ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ሙሳ ቢሒን ሓላፊ ክፍሊ ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝን ልምዓትን ብሪጣንያን፣ ኣብ ከተማ ሃርጌሳ ኣብ ዝርከብ ቤተ መንግስቲ ኣብ ዝገበርዎ ርክብ’ዩ።

መንግስቲ ብሪጣንያ፣ ንመንግስቲ ሶማሊላንድ ብፍሉይ ምሕጋዙ፣ እቲ ሶማሊላንድ ኣካል ሶማል’ያ እናበለ ዝገልጽ ፈደራላዊ መንግስቲ ብነቐፌታ ክርእዮ ከምዝኽእል ይግለጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0