ብሪጣንያ፣ ን’ልዩ ፖሊስ’ ገንዘባዊ ደገፍ ገይራ ንዝብል ክሲ ነጺጋቶ

ብሪጣንያ፣ ን’ልዩ ፖሊስ’ ገንዘባዊ ደገፍ ገይራ ንዝብል ክሲ ነጺጋቶ

Radio Erena: 21 October 2018

kilil somalብሪጣንያ፣ ኣብ ክልል ሶማል ናይ ኢትዮጵያ ንዝርከብ ፍሉይ ኣሃዱ ጸጥታ ፋይናንስያዊ ሓገዝ ለጊሳ ተባሂሉ ንዝወጸ ሓበሬታ ናይ ኣሉታ መልሲ ሂባትሉ።

ሓላፊ ክፍሊ ኣህጉራዊ ምዕባለ ኣብ ኢትዮጵያ ክሪስቲያን ሮግ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ እቲ ብ’ልዩ ፖሊስ’ ዝፍለጥ ኣሃዱ ጸጥታ፣ ካብ ብሪጣንያ ሓገዝ ከምዘይረኸበ ገሊጹ።

ኣቐድም ኣቢሉ ‘ብሪጣንያ፣ ነቲ ገበናት ፈጺሙ ተባሂሉ ብኣህጉራውያን ተጣበቕቲ መሰላት ዝኽሰስ ልዩ ፖሊስ፣ ካብ 14 ክሳብ 15 ሚልዮን ፓውንድ ዝበጽሕ ፋይናንስያዊ ሓገዝ ኣበርኪታ ክብል ማዕከን ሓበሬታ ዘ ጋርዲያን ምጥቃሱ፣ ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር የመልክት።

እንተኾነ ክሪስቲያን ሮግ ናይ ኣሉታ ምላሽ ድሕሪ ምሃብ፣ እቲ ዝተለገሰ ሓገዝ፣ ንሓሙሽተ ዓመታት ዝጸንሕ ኮይኑ፣ ንኣሽሓት ህጻናት ናይ ትምህርቲ ዕድል ምኽፋቱ፣ ካልእ ናይ ጥዕናን ማይን ኣገልግሎታት ምስፍሑ፣ ከምኡ’ውን ንደቀንስትዮን ህጻናትን ሕጋዊ ናይ ምኽሪ ኣገልግሎት ምሃቡ ገሊጹ።

ክልል ሶማል ናይ ኢትዮጵያ ሓደ ካብቶም ኣስካሕካሒ ጭካነ ዝተራእየሎም ናዕብታት ዝተኻየደሉ ዞባ ምዃኑ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ገለ ኣባላት ጸጥታን ፖሊስን ወገን ብምሓስ ኣብቲ ናዕቢ ምስታፎም ክስታት ክቐርብ ጸኒሑ’ዩ።

=================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0