ብሪጣንያ፣ ቀዳማይ ጉጅለ ሓተቲ ዑቕባ፣ ናብ ርዋንዳ ከተሰጋግር’ያ

Radio Erena: 23 May 2022

ብሪጣንያ፣ ቀዳማይ ጉጅለ ሓተቲ ዑቕባ፣ ኣብዚ ቀረባ ሰሙናት ናብ ርዋንዳ ከተሰጋግር ምዃና ሰበ ስልጣን ርዋንዳ ሓቢሮም።

ርዋንዳ፣ ነዞም ካብ ብሪጣንያ ዝስጎጉ፣ ዝተፈላለየ ዜግነት ዘለዎም ሓተቲ ዑቕባ ንምቕባል ድልውነታ ከምዘጻፈፈት’ውን ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢረን።

ኣስታት 50 ዝኾኑ ሓተቲ ዑቕባ፣ ኣብዚ ቀዳማይ ዙርያ ናይ ምስግጋር መደብ ናብ ርዋንዳ ክግዕዙ ተሓቢርዎም ከምዘሎ’ውን ብወገን ብሪጣንያ ተረጋጊጹ ኣሎ።

ብሪጣንያ፣ ካብ ሓደ ጥሪ ኣትሒዞም ናብታ ሃገር፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣተዉ ሓተቲ ዑቕባ፣ ናብ ርዋንዳ ንምስግጋሮም ምስ መንግስቲ እታ ምብራቕ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር ከምዝተሰማምዐት ክትሕብር ጸኒሓ’ያ።

እንተኾነ፣ እቲ ስምምዕ ብተጣበቕቲ መሰል ስደተኛታት ተሪር ተቓውሞ ስለዝገጠሞ፣ ግብራዊ ክኸውን ከምዘይክእል ግምታት ተዋሂብዎ።

ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ፣ ካብ ብሪጣንያን ርዋንዳ ብዝወሃብ ዘሎ ሓበሬታ መሰረት ግና፣ እቲ ስምምዕ ናብ ግብሪ ንምውዓሉ፣ ቀዳማይ ዙርያ ንምስግጋሮም ተጻፊጹ ይርከብ።

ሆቴላት ርዋንዳ፣ ነዞም ካብ ብሪጣንያ ዝስጎጉ ሓተቲ ዑቕባ ንምትእንጋድ ምድላዋት የካይዳ ምህላወን’ውን መርበባት ዜና ካብ ኪጋሊ ጠቒሰን።

ብመሰረት እቲ ስምምዕ፣ ርዋንዳ፣ ካብ ብሪጣንያ ንዝሰጋገሩ ሓተቲ ዕቕባ ንምቕባል፣ ናይ ልዕሊ 150 ሚልዮን ዶላር ካብ ብሪጣንያ ገንዘብ ክወሃባ’ዩ።

ርዋንዳ ኣቐዶማ’ውን ምስ እስራኤል ተመሳሳሊ ስምምዕ ብምኽታም፣ መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራ ዝኾኑ ኣስታት 4 ሽሕ ሓተቲ ዑቕባ ተቐቢላ’ያ።

እንተኾነ እቶም ሓተቲ ዑቕባ፣ ናብ ርዋንዳ ንምግዓዝ ዝተኣትወሎም መብጽዓታት ስለዘይተተግበረ፣ መብዛሕቶም ከም እገደገና ናብ ኡጋንዳ፣ ኢትዮጵያ ሱዳንን ሊብያም ጉዕዞ ስደቶም ብምንዋሕ፣ ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ክኣትዉ ክኢሎም’ዮም።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0