ብምክትል ኣዛዚ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ዝምራሕ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ፈጺሙ

ብምክትል ኣዛዚ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ዝምራሕ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ፈጺሙ

Radio Erena: 06 December 2017

General Assiri

ብምክትል ኣዛዚ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ሜጀር ጀነራል ኣሕመድ ሓሰን መሓመድ ዓሲሪ ዝምራሕ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ፈጺሙ።

እቲ ከም ፍሉይ ልኡኽ ንግሱ ስዑዲ ዓረብ ኮይኑ ብ3 ታሕሳስ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተወ ጀነራል ዓሲሪ፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝን ካልኦት ሰበ ስልጣን እታ ሃገርን ብምርኻብ ኣብ ወትሃደራውያን ጸጥታውን ምትሕግጋዝ ክልትኤን ሃገራት ኣተኩሩ ተዘራሪቡ።

ስዑዲ ዓረብ ብሓደ ካብ ላዕለዎት ወትሃደራውያን ሰበ ስልጣና ዝምራሕ ፍሉይ ሉእኻ ናብ ኢትዮጵያ ትልእኽ ዘላ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ14 ሕዳር ናብ ቀጠር ብምጻሕ ምስ ኣሚር እታ ሃገር ሸኽ ታሚም ቢን ከሊፋ ኣልታኒ ኣብ ዙሕ ጉዳያት ድሕሪ ምዝርራቡ’ዩ።

ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ስዑዲ ዓረብን ቀጠርን ተፈጢሩ ንዘሎ ምስሕሓብ ማእከላይ መርገጺ’ያ ሒዛ ዘላ።

ይኹ’ምበር ምስ ምስ ስዑዲ ዓረብ ወጊና ዘላ ግብጺ፣ ዑደት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ናብ ቀጠር ምስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢ ናይል እትሃንጾ ዘላ ዲጋን ካብ ቀጠር ክትረኽቦ እትኽእል ሓገዝን ከተተኣሳስሮ ብምትእስሳር’ያ ትገልጾ።

ቀጠርን ስዑዲ ዓረብን በብወገነን ምስ ኢትዮጵያ ዘካይድኦ ዘለዋ ርክባት፣ ኣብታ ሃገር ኣብ ሕርሻ ዘተርኮረ ናይ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላር ወፍሪ ንምክያድ መደብ ከምዘለወን’የን ዝገልጻ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0