ብሚኒስተር ስለያ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ እስራኤል ናብ ሱዳን ይበጽሕ

Radio Erena: 26 January 2021

ብሚኒስተር ስለያ፣ ኤሊ ኮሀን ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ እስራኤል ኣብ ሱዳን ምብጻሕ ኣካይዱ።

ሚኒስተር ኮሀን፣ ብ25 ጥሪ ናብ ካርቱም ድሕሪ ምእታዉ፣ ምስ ኣቦ መንበር መሰጋገሪ ባይቶ ሱዳን፣ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃንን ሚኒስተር ምክልኻል ያሲን ኢብራሂምን ተራኺቡ ከምዝዘተየ ኣፈኛ ሚኒስትሪ ስለያ እስራኤል ሓቢሩ።

ዕላማ ‘ቲ ዑደት፣ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ መንጎ ክልትኤን ሃገራት ዝተጀመረ ታሪኻዊ ዝምድና ምዃኑ ድማ ኣስሚርሉ።

ዝርዝር ናይቲ ክልቲኦም ወገናት ዝኸተምዎ ስምምዕ እኳ እንተዘይተፈልጠ፣ ሱዳን ካብ እስራኤል ንዝመለሱ ስደተኛታት ከይትኣስር ዝብል ነጥቢ ከምዝዝርከቦ ግና እቲ ኣፈኛ ኣንፊቱ።

እስራኤልን ሱዳንን፣ ብድፍኢት ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ 6 ጥሪ ታሪኻዊ ርክብ ካብ ዝምስርታ፣ ላዕለዋይ ወኪል መንግስቲ እስራኤል ናብታ ካርቱም ወግዕ ወግዓዊ ዑደት ከካይድ እዚ ንኻልኣይ እዋኑ’ዩ።

============

COMMENTS

WORDPRESS: 0