ብመንገዲ ከሰላ- ተሰነይ፣ ካብ ሱዳን ናብ ኤርትራ ዝኣትዉ ዘለዉ ኤርትራውያን፣ ሲም ካርድ ከረክቡ ይሕተቱ ኣለዉ

ብመንገዲ ከሰላ- ተሰነይ፣ ካብ ሱዳን ናብ ኤርትራ ዝኣትዉ ዘለዉ ኤርትራውያን፣ ሲም ካርድ ከረክቡ ይሕተቱ ኣለዉ

Radio Erena: 18 May 2016

Tes

ብመንገዲ ከሰላ- ተሰነይ፣ ካብ ሱዳን ናብ ኤርትራ ዝኣትዉ ዘለዉ ኤርትራውያን፣ ሒዞም ዝመጹ ናይ ቴሌፎን ሲም ካርድ ከረክቡ ይሕተቱ ምህላዎም ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ካብ ሱዳን ናብ ኤርትራ ዝኣተዉ ኤርትራውያን ኣብ ዶባት ሱዳንን ኤርትራን፣ ሲም ካርድ ናይ ቴሌፎኖም ባዕላቶም እንተዘየመዝጊቦም ወይ ከኣ እንተዘየረኪቦም፣ ክህገር ምዃኑ’ዩ ዝሕበሮም ዘሎ።

እዚ ብወትሃደራዊ ጸጥታ፣ ምዕራባዊ እዚ ዝትግበር ዘሎ፣ ካብ ሱዳን ናብ ኤርትራ ንዝኣትዉ ኤርትራውያን ሲም ካርድ ናይ ምምንጣል መስርሕ፣ ናይ ሱዳን ሲም ካርድ ኣብ ገለ ክፋላት ዶብ ዝሰርሕ ምስ ምዃኑ ምስ ጸጥታ ዝተኣሳሰር ክኸውን ከምዝኽእል’ዩ ዝንገር።

 

ብዘይካ’ዚ’ውን ገሊኡ ሲም ካርድ ናይ ሱዳን ኢንተርነት ዘለዎ ምስ ምዃኑ፣ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ምስጋሩ’ውን ስለዝሰርሕ፣ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ቁጽጽሩ ወጻኢ ኣብ ኣገልግሎት ዝውዕል ቴሌፎንን ኢንተርነትን ስግኣት ስለዝፈጥረሉ’ዩ ዝብል ግምታት ይህብሉ።

ከም ቴሌፎንን ኢንተርነትን ዝኣመሰለ መሰረታዊ መሰላት መራኸቢታት ደቂ ሰብ ኣብ ዝበዝሐ ክፋል ዓለም ብዝቐለለ ንኽተኣታቶ ኣብ ዝጸዓረሉ ዘሎ እዋን፣ ኣብ ኤርትራ ሲም ካርድ ናይ ቴሌፎን ንምርካብ ኣብ ርእሲ ዘሎ ኮለል፣ እቲ ኣብ ምስርሕ ዝውዕል ሲም ካርድ’ውን ካብ መባእታዊ ናይ ቴሌፎን ዕማም ዝሓልፍ ካልእ ኣገልግሎታት የብሉን።

ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ብምዕባለ መራኸቢታት ድሕሪት ተሪፈን ዘለዋ ሃገራት’ያ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0