ብመንገዲ ቅሮራ ናብ ሱዳን ዝሰግሩ ዝነበሩ ሰለስተ ኣሕዋት ዝርከብዎም 13 ኤርትራውያን ሞይቶም ምርካቦም፣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ወጻእን መዘራረቢ ኮይኑ

ብመንገዲ ቅሮራ ናብ ሱዳን ዝሰግሩ ዝነበሩ ሰለስተ ኣሕዋት ዝርከብዎም 13 ኤርትራውያን ሞይቶም ምርካቦም፣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ወጻእን መዘራረቢ ኮይኑ

Radio Erena: 24 December 2014

13 die

ኣብ መፋርቕ ወርሒ መስከረም ናይ 2014 ብመንገዲ ቅሮራ ናብ ሱዳን ንምስጋር ካብ ዝፈተኑ 16 ኤርትራውያን እቶም 13 ሞይቶም ከምዝተረኽቡን ኣብዚ እዋን’ዚ ስድራቤታቶም ከምዝተረድኡን ኣብ ኣስመራን ወጻእን ኣብ ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ዝዓበየ መዘራረቢ ኮይኑ ኣሎ።

እቶም 3 ኣሕዋት ደቂንስትዮ ዝርከብኦም 13 ኤርትራውያን መንእሰያት፣ ብመንገዲ’ቲ ኣብ መንጎ ጊንዳዕን ባጽዕን ዘሎ ኣጻምእ በረኻታት ኣቢሎም ናብ ከባቢ ቕሮራ ድሕሪ ምብጻሖም ሞይቶም ከምዝተረኽቡ’ዩ ዝግልጸ ዘሎ።

እተን ኣርያም፣ ሪታን፣ ሆሳንን ዝተባህለ ኣሕዋት፣ እተን ክልተ ደቂ 20ን 17ን ዓመት ክኾና እንከለዋ እታ ሳልሰይተን ግና ጓል 14 ዓመት ትሕቲ ዕድመ’ያ።

 

ስድራቤተን ተጋደለቲ ህዝባዊ ግንባር ምዃኖም ዝገልጹ ፈለጦም ድማ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ካናዳ እትርከብ ኣድኤንን ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ስንኵል ተጋዳላይ ኣቦአን ተስፋሃንስ ሓጎስን ኣብ ከቢድ ሓዘን ከምዝርከቡ ኣመልኪቶም።።

ናይቶም ሰለስተ ካልኦት ሃለዋት ግና ዛጊት ክፍለጥ ኣይከኣለን።

ንኣማውትኦም ብዝምልከት፣ ሓያሎ ወገናት ካብ ምክትታል ሓለዋ ዶባት ብዝተተኮሰሎም ጥይት ከምዝተቐትሉ ክገልጹ እንከለዉ እንከለዉ፣ ካልኦት ዘስግሮም ዝነበረ ሰበ ሓዲግዎም ስለዝጠፍአ ብጽምእን ጥሜትን ተሰኒፎም ህይወቶም ከምዝሓለፈ ይጠቕሱ።

ኣብ ስደት ዝርከባ መርበባት ሓበሬታ ኤርትራን ማሕበራዊ ሜድያታትን’ውን ብዛዕባ’ዚ ዝተፈላለየ ርእይቶታት ይህባ ኣለዋ።

እዚ ብመንገዲ ቅሮራ ዝግበር ስግረ ዶባ ናብ ሱዳን ናይ ኣስታት ክልተ ሰሙን ዝወስድ ሓደገኛ ጉዕዞ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

በዚ መንገዲ’ዚ ናብ ሱዳን ንምስጋር ካብ ዝፈተኑ ኣማኢት ኤርትራውያን፣ ጋዜጠኛን ተዋሳኣይን ጳውሎስ ኪዳነ ዝርከቦም 10ታት ኤርትራውያን በብእዋኑ ህወይቶም ከምዝሓለፈ ዝዝከር’ዩ።

=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0