ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝድገፉ ሚሊሻ፣ ኣብ ደቡብ የመን ርእሰ ምምሕዳር ኣዊጆም

Radio Erena: 28 April 2020

ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝድገፉ ሚሊሻ፣ ካብ የመን ዝተነጸለት ርእሰ ምምሕዳር ደቡብ የመን ኣዊጆም።

እቶም፣ ብ’መሰጋግሪ ባይቶ የመን’ ዝፍለጡ ሚሊሻ፣ ብ25 ሚያዝያ ነቲ ኣዋጅ ድሕሪ ምሕላፎም፣ ኣብ ስደት ዝርከብ መንግስቲ የመን ይኹን ንዝበዝሐ ክፋል የመን ተቖጻጺሩ ዝርከብ ሑቲ ነጺጎሞ።

ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ናይ ልፍንቲ ሓይሊ’ውን ነቲ ኣዋጅ ከምዘይቅበሎ እኳ እንተፍለጠ፣ እቶም ሚሊሻ ብሕቡራት ኢማራት ዝድገፉ ምስ ምዃኖም፣ ኣብ መንጎ ስዑዲን ኢማራትን ዘይምትእምማን ከኸትል ከምዝኽእል ይትንተን።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ኤርትራን የመንን ዘሰልጠነቶም ሚሊሻ ደቡብ የመን፣ ኣብ ዓደንን ደሴት ሰኮትራን ክዋፈሩ ምጽንሖም ብተደጋጋሚ እዋን’ዩ ተገሊጹ።

ካብ ዝበዝሐ ክፋል የመን ሰራዊታ ዝሰሓበት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ እትምውሎም ሚሊሻታት ብምስልጣን ንየመን ኣብ ክልተ ብምግማዕ፣ ናብ ኵናት ሓድሕድ ክትጸምዳ ትሰርሕ ምህላዋ’ያ ትውቀስ።

ካብ 1962 ኣትሒዛ ኣብ ደቡብን ሰሜንን ተገሚዓ ዝነበረት የመን፣ ኣብ 1990’ያ ሓቢራ።

ካብቲ እዋን’ቲ ክሳብ 2012 ንየመን ዝመርሐ ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ፣ ብህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምእላዩ፣ ፈኸም ዝብል ዝነበረ ቃልሲ ኣመንቲ ምስልምና ሺዓ ዝኾኑ ሑቲ ኣብታ ሃገር ዓብላሊ ቦታ ምሓዙ ይዝከር።

ነቲ ንከተማታት ሰንዓን ዓደንን ብምጥማር፣ ንመላእ የመን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ዘእተወ ሑቲ ንምእላይ፣ ብስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ዝማራሕን፣ ኤርትራ እትርከቦ ናይ 35 ሃገራት ልፍንቲ፣ ኣብ 2015 ሰፊሕ መጥቃዕቲ ጀሚሩ።

እንተኾነ፣ እቲ ልፍንቲ ከምቲ ዝገመቶ ወትሃደራዊን ፖለቲካውን ዓወታት ክሰልጦ ብዘይምኽኣሉ፣ እናተሸራረፈ፣ ጾር የመን ናብ ዝባን ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ጥራይ ስለዝወደቐ፣ እቲ ኵናት ብፖለቲካን ዲፕሎማሲን ንምፍትሑ ጻዕርታት ይካየድ ኣሎ።

ከቢድ ክሳራታት ካብ ዘስዓበ ኵናት ቀስ ብቀስ ዝሰሓበት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ብገዚፍ ፊናንስያዊ ሓገዝ ክትድግፎምን ኣብ ኤርትራን የመንን ከተሰልጥኖምን ዝጸንሐት፣ ኣብ ዓደን ዝመደበሮም ‘መሰጋገሪ ባይቶ’ ዝተሰምዩ ሚሊሻ፣ ኣብ ደቡብ የመን ናይ ገዛእ ርእሶም መንግስቲ ክምስርቱ ክትደፍኣሉ’ያ ጸኒሓ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0