ብህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ መራሒ ቦሊቭያ ናብ ሜክሲኮ ሃዲሙ

Radio Erena: 13 November 2019

ንልዕሊ ሓደ ውርሒ ብዝተኻየደ ህዝባዊ ናዕቢ፣ ካብ ስልጣኑ ክእለ ዝተገደደ ፕረዚደንት ቦሊቭያ፣ ኢቮ ሞራለስ፣ ናብ ሜክሲኮ ሃዲሙ።

ካብ 2006 ኣትሒዙ ን13 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ኢቮ ሞራለስ፣ ኣብ ምርጫ ድምጺ ህዝቢ ብምድንጋር ክዕወት ዝገበሮ ምስጢራት ተኸሺሑ፣ ብብልሽውናን ህርፋን ስልጣንን ድሕሪ ምውቃሱ’ዩ፣ ህዝቢ ካብ ስልጣኑ ክእለ’ዩ ክጠልብ ጸኒሑ።

እንተኾነ፣ እቲ ፕረዚደንት ነበር፣ ካብ ስልጣኑ ከምዘይለ ድሕሪ ምግላጹ፣ ሰራዊት እታ ሃገር ኣብ ጎኒ ህዝቢ ብምቋም፣ ነቲ መራሒ መንበሩ ክሓድግ ከምዝደፋፍኦ ተዓዘብቲ ይጠቕሱ።

ካብ ህዝብን ሰራዊትን ጸቕጢ ዝበዝሖ ኢቮ ሞራለስ፣ ሰንበት 10 ሕዳር ስልጣኑ ከምዝሓደገ ብወግዒ ኣፍሊጡ።

ብሰሉስ 12 ሕዳር ድማ ብነፋሪት ናብ ሜክሲኮ ብምህዳም፣ ዑቕባ ሓቲቱ።

መንግስቲ ሜክሲኮ፣ ነቲ ፕረዚደንት ነበር ፖለቲካዊ ዑቕባ ከምዝህቦ ኣረጋጊጹ።

ኢቮ ሞራለስ፣ ናብ ስልጣን ኣብ ዝመጸለኡ መጀመርያ ዓመታት ህዝባዊ ተቐባልነት እኳ እንተነበሮ፣ ድሒሩ ግና ብህርፋን ስልጣንን ብልሽውናን ክወቐስ’ዩ ተርእዩ።

ነቲ ፕረዚደንት ንምእላው ብሰንኪ’ቲ ዝተኻየየደ ህዝባዊ ናዕቢ፣ ቦሊቭያ፣ ናብ ዝበኣሰ ሕንፍሽፍሽን ቁጠባዊ ውድቀትን ከይትሽመም ተሰጊኣ ኣላ።

ነዚ ዘሎ ፖለቲካዊ ሃጓፍ ተጠቒሙ ሰራዊት ስልጣን ከይሕዝ’ውን ካልእ ዝዓበየ ሻቕሎት እቲ ዞባ’ዩ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0