ብህዝባዊ ሰራዊት ዝተጸውዑ ብረት ዝዓጠቑ ኣቦታት፣ ናብ ታዕሊም ክወርዱ ዝቀረበሎም ጻውዒት ይነጽጉ

ብህዝባዊ ሰራዊት ዝተጸውዑ ብረት ዝዓጠቑ ኣቦታት፣ ናብ ታዕሊም ክወርዱ ዝቀረበሎም ጻውዒት ይነጽጉ

Radio Erena : 07 January 2015

Mili

ብህዝባዊ ሰራዊት ዝፍለጡ ብረት ዝዓጠቑ ኣቦታት፣ ናብ ታዕሊም ክወርዱ መንግስቲ ኤርትራ ብተደጋጋሚ እዋን ከካይዶ ዝጸንሐት ጻውዒት ክዕወት ብዘይምኽኣሉ፣ እቲ ናይ ታዕሊም ጻውዒት ንዘይተፈልጠ እዋን ምስግጋሩ ተረጋጊጹ።

ኣቐዲሙ፣ ዓርቢ ሓርነት ዝተባህለ ምንቕስቓስ ነዚ ሓበሬታ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብዝርከቡ ኣባላቱ ከረጋግጾ እንከሎ፣ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና’ውን ብፍላይ ናብ ታዕሊም ክወርዱ ዝተነግሮም ሓረስቶት፣ ምስ ናይ ቀውዒን ምእካብ እኽልን ብዝተሓሓዝ ምስ መንግስቲ ክፋጠጡ ከምዝጸንሑ ኣረዲኦም።

እቶም ኣብ ክሊ ዕድመ 40 ክሳብ 60 ዝግመቱ ብረት ዝዓጠቑ ኣቦታት፣ ዋኒንኩም ሕርሻኩምን ጠንጢንኩም ናብ ታዕሊም ውረዱ ዝበል ትእዝዛ፣ ንናብራ ስድራቤታት ኣብ ግምት ዘየእቱን ዕላምኡ ዘይንጹርን ክብሉ ክቃወምዎ ምጽንሖም ዝፍለጥ’ዩ።

 

መንግስቲ ኤርትራ’ውን እቶም ናብ ታዕሊም ክወርዱ ዝተነግሮም ኣቦታት ትእዛዝ እንተዘይኽቢሮም ስጉምቲ ክውሰደሎም ምዃኑ ከፈራርሕ እኳ እንተፈተነ፣ ዝበዝሑ ካብቶም እቲ ጻውዒት ዝምለክቶም ግና ነቲ ትእዛዝ ኣየተግበሩን።

ሓለፍቲ ህግደፍ ዞባታትን ኣመሓደርትን’ውን ነዚ ብመንግስቲ ዝወጸ ትእዛዝ ከመኻንይሉ እኳ እንተፈተኑ፣ ኣብ ሓያሎ ኣኼባታት ግና ህዝቢ ብርኡይ ከምዝተቓወሞ፣ ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ኤፍሬም ገብረክርስቶስን ሓላፊ ህግደፍ ኣብ ዞባ ደቡብ ኣቶ ተስፋይ ብርሃነን በብወገኖም ምስ ህዝብን ካድራትን ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባታት ከም ኣብነት ጠቒሶም።

መንግስቲ ንህዝቢ ይሓሊ እንተዝኸውን፣ ህጹጽ ናይ ወራር ሓደጋ ኣብ ዘይብሉ ብሃንደበት ንዓመት መመላእታ ዝተጻዕረሉ ሕርሻ፣ ምህርቱ ከይኣከብኩም ጠንጢንኩም ናብ ታዕሊም ውረዱ ምባል እንታይ’ዩ ረብሕኡ ዝብል ሓረግ ናይ መብዛሕትኡ ናይቲ ዝቀረበ ምዕዝምዛማት ምዃኑ’ዩ እቶም ምንጭታት ኣመልክኪቶም።

ነዚ ብተደጋጋሚ ዝርአ ዘሎ ምዕዝምዛማት ንምፍርራሕን ነቶም ናብ ታዕሊም ንኸይወርዱ ብኣርኣያነት ዝሓንገዱ ኣቦታትን ብግዴታ ናብ ታዕሊም ንምውራድን ከምቲ ልሙድ ግፋ ንምክያድን ምድንዳናት እኳ እንተተገብረ፣ ውሽጣዊ ተቓውሞ ህዝቢ እናሓየለ ስለዝመጸ ግና እቲ መደብ ታዕሊም ንዘየተወሰነ እዋን ክሰጋገር ክኢሉ ኣሎ።

እዚ ውሳኔ’ዚ ድሕሪ’ቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብዚ ጉዳይ ኣተኩኦ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ ምምጽኡ’ውን፣ እቲ ፕረዚደንት ከም ፈታሕ ሽግር ህዝቢ ኮይኑ ንምቕራብ ዝተወስደ ናይ ኣምሰሉ ተግባር ምዃኑ’ውን እቶም ነዚ ሓበሬታ’ዚ ዝልኣኹ ምንጭታት ትንታነታቶም ይህብሉ።

========================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0