ቤት ፍርዲ ኬንያ፣ ንውጽኢት ፕረዚደንታዊ ምርጫ’ታ ሃገር ሰሪዙዎ

ቤት ፍርዲ ኬንያ፣ ንውጽኢት ፕረዚደንታዊ ምርጫ’ታ ሃገር ሰሪዙዎ

Radio Erena: 03 September 2017

mircha kenyaላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ፣ ንውጽኢት ፕረዚደንታዊ ምርጫ’ታ ሃገር ሰሪዙዎ።

ኮሚሽን ምርጫ ኬንያ፣ ኣብ 8 ነሓሰ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ፣ ዓወት ኡሁሩ ኬንያታ እዩ ኣበሲሩ ኔሩ። እንተኾነ 4 ካብ ሽዱሽተ ኣባላት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፣ እቲ ምርጫ ዘይሕጋዊ መስርሕ’ዩ ተኸቲሉ ብምባል ንውጽኢቱ ከምዘይቅበሎ ኣፍሊጡ። ኣብ ውሽጢ 2 ወርሒ ከኣ ዳግማይ ምርጫ ክካየድ ውሳኔ ኣሕሊፉ።

እዚ ኣብ ታሪኽ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ መጀመርያ ዝኾነ ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ውዱቕ ዝኸውን ዘሎ ውጽኢት ፕረዚደንታዊ ምርጫ፣ ኬንያ ኣብ መስርሕ ምህናጽ ደሞክራሲ ዓቢ ለውጢ ኣርእያ ከምዘላ ዘመልክት’ዩ ክብሉ ሓያሎ ተንተንቲ ፖለቲካ ኣድናቖቶም ይገልጹ።

ኣብቲ ምርጫ ከምዝተዓወተ ዝተነግረሉ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ፣ ንውሳኔ’ቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዋላ’ኳ እንተዘይተሰማማዓሉ፣ ብኣኽብሮት ከምዝቕበሎ ግና ኣፍሊጡ።

እንተኾነ ድሒሩ ኣብ ቴሌቪዥን’ታ ሃገር ቀሪቡ ኣብ ዘስመዖ ቃል፣ ‘መን ከምዝመረጾም ዘይፍለጡ ዳኛታት ንዓወትና ከሕድጉና ይፍትኑ ኣለዉ’ ክብል ፈኸራ ዝተሓወሶ መደረ ከምዝሃበ ማዕከናት ዜና ካብ ከተማ ናይሮቢ ሓቢረን።

እዚ ኣብ ውሽጢ ክልተ ወርሒ ዳግማይ ክካየድ’ዩ ዝበሃል ዘሎ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኬንያ፣ ንቁጠባ’ታ ሃገር ብከቢድ ከምዝጸልዎ ብኣግኡ ይግለጽ ኣሎ። ምርጫ ኬንያ ተኸቲሉ ዝመጽእ ናዕብን ዕግርግርን እውን ዳግማይ ስግኣት ኮይኑ ከምዘሎ ይሕበር።

ዓርቢ ዕለት 1 መስከረም እቲ ውሳኔ ኣብ ዝተመሓላለፈሉ፣ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያን ሓድ ሓደ ከባቢታት ናይሮቢን ጽዑቕ ወተሃደራዊ ሓለዋ ተገይሩሎም ውዒሉ።

54 ነጥቢ ብምርካብ ከምዝተዓወተ ዝተነግረሉ ፕረዚደንት ኬንያታ፣ ውሳኔ’ቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ‘ፖለቲካዊ ድፍኢት ኣለዎ’ ክብል እንከሎ፣ እቲ ምርጫ ርትዓዊ ኣይነበረን ብምባል ነቲ ክሲ ዘቕረበ ራይላ ኦዲንጋ ከኣ ኣብ ዳግማይ ጎስጓስን ምድላውን ኣተኲሩ ከምዘሎ ጸብጻባት የመልክቱ።

ኦዲንጋ ብተወሳኺ፣ ኮሚሽን ምርጫ’ታ ሃገር ብልሹው ኣሰራርሓ ከምዘለዎ ስለዝተመስከረ፣ ኣብዚ ዝካየድ ዳግማይ ምርጫ ሓድሽ ኮሚሽን ክቐርብ ጻውዒት የቕርብ። እንተኾነ እቲ ምርጫ ኣብ ውሽጢ ክልተ ወርሒ ስለዝካየድ ግዜ ኮነ ቁጠባዊ ባጀት’ታ ሃገር ኣይፈቕዶን’ዩ ብምባል ፕረዚደንት ኬንያታ ናይ ኣሉታዊ ምላሽ ሂቡሉ።

===================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0