ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ወሰን ክልላትን ሕቶ መንነትን ዘጽደቖ ኣዋጅ ካብ ክልል ትግራይ ተቓውሞ ይገጥሞ

ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ወሰን ክልላትን ሕቶ መንነትን ዘጽደቖ ኣዋጅ ካብ ክልል ትግራይ ተቓውሞ ይገጥሞ

Radio Erena: 21 December 2018

TPLF

ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ትማሊ 20 ታሕሳስ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፣ ኣብ ጉዳይ ወሰን ክልላትን መንነትን ዘጽደቖ ኣዋጅ፣ ካብ ክልል ትግራይ ተቓውሞ ከምዝገጠሞ ተሓቢሩ።

እቲ ቤት ምኽሪ፣ ጉዳይ ወሰን ክልላትን መንነትን እትውክል ኮሚሽን ክትቀውም ኣብ ዝብል ኣዋጅ ኣብ ዘካየዶ ናይ ድምጺ ምሃብ መስርሕ፣ 33 ተቓውሞ ክገጥሞ እንከሎ፣ ኣርባዕተ ድማ ድምጺ ካብ ምሃብ ተቖጢቦም።

ይኹን’ምበር እቲ ኣዋጅ ናይ ዝበዝሑ ኣባላት ናይቲ ቤት ምኽሪ ድጋፍ ስለዝረኸበ ጸዲቑ ኣሎ።

ምቛም እዛ ኮሚሽን፣ ንወሰናስን ክልላትን መንነት ነበርተንን ክውስን’ዩ።

ድሕሪ’ዚ ውሳኔ፣ ወከልቲ ህዝቢ ክልል ትግራይ፣ እቲ መስርሕ ኣገባብ ዘይተኸተለን ዘይቅዋማውን’ዩ ብምባል ናይ ተቓውሞ ደብዳቤ ከምዘቕረቡ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

እቲ ኣዋጅ፣ ንወሰናስን ክልል ትግራይን ሕቶ መንነት ወልቃይትን ራያን ብቐጥታ ክጸልው’ዩ ብዝብል ምኽንያት ወከልቲ ህዝቢ ክልል ትግራይ ይቃወምዎ ከምዘለዉ ዝተፈላለየ ትንተነታቶም ይህብሉ።

እቲ ኮሚሽን፣ ነቲ ኣብ መንጎ ትሽዓቲኤን ክልላት ኢትዮጵያ ብሰንኪ ወሰን ክርአ ዝጸንሐ ምስሕሓብ ኣብ ምፍታሕ ኣበርክቶ ክህልዎ ብወገን መንግስቲ ትጽቢት ተነቢርሉ እኳ እንተሎ፣ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ድሮ ተጓሃሂሩ ዘሎ ናይ ብሄርን ቀቢላን ግጭታት ብዝበኣሰ ከየጋድዶ ዝሰግኡ ወገናት’ውን ኣለዉ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0