ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ስደተኛታት ናይ ስራሕን ብናጻ ናይ ምንቅስቓስን መሰሎም ክሕሎ ዝድግፍ ኣዋጅ ኣጽዲቑ

ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ስደተኛታት ናይ ስራሕን ብናጻ ናይ ምንቅስቓስን መሰሎም ክሕሎ ዝድግፍ ኣዋጅ ኣጽዲቑ

Radio Erena: 18 January 2019

 

ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ስደተኛታት ናይ ስራሕን ብናጻ ናይ ምንቅስቓስን መሰሎም ክሕሎ ዝድግፍ ኣዋጅ ብዓብላሊ ድምጺ ኣጽዲቑ።

እቲ ቤት ምኽሪ፣ ትማሊ ሓሙስ 17 ጥሪ፣ ኣብ ዘካየዶ መበል 19 ስሩዕ ኣኼባ፣ ኢትዮጵያ ኣቐዲማ ዝተቐበለቶን ዝኸተመትሉን ኣህጉራዊ ውዕላት ናብ ግብሪ ንምስግጋሩ፣ ዑቕባ ንዝተዋህቦም ስደተኛታት፣ ናይ ስራሕ ዕድላት ክኽፈተሎምን ናብ ዝደለይዎ ከባቢታት ኢትዮጵያ ክንቀሳቐሱን ዝፈቅድ’ዩ።

ብመሰረት እቲ ጸዲቑ ዘሎ ኣዋጅ፣ ስደተኛታት ኣብ ሚኒስትሪታት ምክልኻልን ጉዳያት ወጻኢን ከምኡ ድማ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ተቖጺሮም ክሰርሑ ከምዝኽእሉ’ዩ ዝግለጽ።

እቲ 3 ናይ ተቓውሞ፣ 1 ድማ ድምጺ ተዓቅቦ ጥራይ ዝተራእየሉ፣ ሓድሽ ኣዋጅ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ስደተኛታት፣ ኣብ ሕርሻ ክዋፈሩ እንተደልዮም’ውን መሬት ክካረዩ ዝፈቅድ’ዩ።

ንስደተኛታት ዝወሃቦም መንበሪ ፍቓድ’ውን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሸውዓተ ዓመት’ዩ ክሕደስ።

ኣቐዲሙ ብዝጸንሐ ኣዋጅ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ 10ታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ክሰርሑ ኮነ ናብ ዝደለይዎ ቦታታት እታ ሃገር ብናጻ ክንቀሳቐሱ ዝፈቅድ ኣይነበረን።

በብእዋኑ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተዉ፣ ልዕሊ 170 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ኣብ ሓሙሽተ መዓስከራት ከምዝተመዝገቡ ጸብጻብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

እንተኾነ፣ ብዙሓት ካብኣቶም፣ ናብ ኬንያ ወይ ድማ ሱዳንን ሊብያን ሰጊሮም፣ ጉዕዞ ስደቶም ናብ ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ከምዝቐጸሉ ይፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0