ቤት ምኽሪ መራኸቢ ብዙሓን ኢትዮጵያ፣ ናብ ጋዜጠኛታት’ታ ሃገር ጻውዒት ኣቕሪቡ

Radio Erena: 11 September 2022

ቤት ምኽሪ መራኸቢ ብዙሓን ኢትዮጵያ፣ ነታ ሃገር ኣብ ዓዘቕቲ ሸሚሙዋ ዘሎ ውግእ ሓድሕድ ደው ክብል፣ ማዕከናት ዜና ተረአን ክጻወታ ጸዊዑ።
ኣብቲ ብ9 መስከረም ዘቕረቦ ጻውዒት ቤት ምኽሪ መራኸቢ ብዙሓን ኢትዮጵያ፣ ማዕከናት ዜና መንግስቲ ይኹና ብካልኦት ናይ ክልላትን ናይ ውልቂን ዝውነና፣ ንኲናት ዝዕድም መደባት ከየዳልዋ፣ ጋዜጠኛታተን ድማ፣ ጽልኢ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ብሄራት ዝተዃቱኽ ፈነወ ከየካዪዱ ጸዊዑ።
ካብ ኲናት ዝርከብ ዝኾነ መኽሰብ የለን ዝብል እቲ ቤት ምኽሪ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ንኲናት ምጉስጓስ፣ ተወሳኺ ህይወትን ንብረትን ካብ ምዕናው ሓሊፉ፣ ኣብ ታሪኽ’ታ ሃገር ዘይወጽእ በሰላ ከምዝገድፍ ኣዘኻኺሩ።
ጋዜጠኛታት፣ ኣብ መዓልታዊ ስርሖም፣ ብድሕነት ህዝብን ሃገርን ክምእከሉ፣ ካብ ፕሮፓጋንዳዊ ዘመተ ወጺኦም፣ ኣብ ሓቅን መርትዖን ዝተመርኮሰ ዜና ከዳልዉ፣ ሞያዊ ሓላፍነት ከምዘለዎም፣ እቲ ቤት ምኽሪ ኣተሓሳሲቡ።
ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብቲ ኲናት ዝካየደሉ ዞባታት፣ ጋዜጠኛታት ወጻኢ ኮነ ውሽጢ ሃገር ክኣትዉ ይፍቀደሎም ስለዘየለ፣ ዋላ’ተን ብመንግስቲ ዝውነና ማዕናት ዜና እውን ብሕጽረት ሓበሬታ ተጠቒዐን ምህላወን እዩ ዝግለጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0