ባጤራኣ ብሰንኪ ዝቕባበ ካብ ዕዳጋ ዝተኣልየ ዚምባብዌ፣ ባጤራ ደቡብ ኣፍሪቃ ከም ወግዓዊ ባጤራኣ ክትጥቀመሉ ትሓስብ ኣላ

ባጤራኣ ብሰንኪ ዝቕባበ ካብ ዕዳጋ ዝተኣልየ ዚምባብዌ፣ ባጤራ ደቡብ ኣፍሪቃ ከም ወግዓዊ ባጤራኣ ክትጥቀመሉ ትሓስብ ኣላ

Radio Erena: 23 December 2014

Zim dollar

ብዝቕባበ ባጤራ ኣብ ከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላው ዝርከብ መንግስቲ ዚምባብዌ፣ ንራንድ፣ ባጤራ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ከም ሕጋዊ ባጤራ ከገልግል ይሰርሓሉ ምህላዉ ማዕከናት ዜና’ቲ ሓቢረን።

ዚምባብዌ ካብ 1980 ኣትሒዛ ክትግልገለሉ ዝጸንሐት ‘ዚም ዶላር’ ዝተሰምየ ባጤራኣ፣ ሰለስተ እዋን ብዘጋጠሞ ከብደቲ ዝቕባበታት፣ ናይ ምዕዳግ ዓቕሙ ተዳኺሙ ኣብ 2009 ብወግዒ ካብ ዕዳጋ እታ ሃገር ከምዝተገለፈ ይፍለጥ።

ባጤራ ዚምባብዌ፣ ካብ ዝቕባበ ንምውጽኡ መንግስቲ ተደጋጋሚ እዋን ዝተፈላለየ ሕብሪን ዓቐንን ዘለዎ ባጤራታት ከሕትም ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ እቲ ባጤራ ካብ ዕዳጋ ክሳብ ዝተኣልየሉ ዕለት ሓንቲ ናይ ወረቀት ገንዛብ ክሳብ ሓደ ሚእቲ ትሪልዮን በጺሑ ኔሩ’ዩ።

 

ኣብ ታሪኽ ዘመናዊ ባጤራ ኣብ ሓንቲ ናይ ወረቀት ገንዛብ ካብ ዝተሓትመ ብዝሒ ከኣ መወዳድርቲ ክርከቦ ኣይከኣለን።

ብሮበትር ሙጋበ ዝምራሕ መንግስቲ እታ ሃገር፣ ቁጠባ ንምብርራብን ዓቕሚ ባጤራ ዚም ዶላር ንምሕዋይን ዝወሰዶ ተበግሶታት’ውን ከዕውት ብዘይምኻኣሉ፣ ህዝቢ ዚምባብዌ፣ ንዶላር ኣመሪካ፣ ፓውን ስተርሊንግ ናይ ዓዲ እንግሊዝን ዩሮን ባጤራ ጎረባብቲ ሃገራትን’ዩ ክጥቐም ጸኒሑ።

ዚምባብዌ ካብ ሚያዝያ 2009 ኣትሒዛ ሕጋዊ ባጤራኣ ኣብ ዕዳጋ ደው ካብ ዝብል ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ካልእ መተካእታ ባጤራ ከየእተወት ድሕሪ ምጽናሕ ድማ’ያ ንራንድ፣ ባጤራ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ከም ወግዓዊ ባጤራ ክትጥቐመሉ ከምእትኽእል ዝግለጽ ዘሎ።

90 ዓመት ዝዕድምኡ ፕረዚደንት ሮበርት ሙጋበ ኣብ ናይ ኣስታት 40 ዓመት ዘመነ ስልጣኑ፣ ነታ ‘መሶብ ኣፍሪቃ’ እናተባህለት እትግለጽ ዝነበረት ዚምባብዌ፣ ሓንቲ ካብ ድኻታት ሃገራት ዓለም ክትከውን ኣብቒዑዋ ኣሎ።

======================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0