ባይቶ ጸጥታ፣ ብዛዕባ’ቲ ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋ ብህጹጽ ክዝቲ፣ ሱዳን ሓቲታ

Radio Erena: 24 June 2021

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ጉዳይ እቲ ንሱዳን፣ ግብጽን ኢትዮጵያን ዘሰሓሕብ ዘሎ ኣጠቓቕማ ናይል ብዝምልከት ክዝቲ መንግስቲ ሱዳን ሓቲቱ።

እቲ መንግስቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ብሰሉስ 22 ሰነ ናብ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ዘቕረቦ ሕቶ፣ ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋ፣ ነተን ኣብ ናይል ዝምርኮሳ ሃገራት ሱዳንን ግብጽን ኣብ ሓደጋ ዘእትዩ’ዩ ክብል ጠቒሱ።

ምህናጽ እቲ ዲጋ፣ ድሕነት ሚልዮና ሰባት ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ስለዝኾነ፣ ባይቶ ጸጥታ ብዛዕባ’ዚ ብዝምልከት ብህጹጽ ክዝቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን፣ ማርያም ኣል ሳድቕ ኣል ማህዲ፣ ከምዝጸውዐት፣ እቲ መግለጺ ብተወሳኺ ኣፍሊጡ።

ልዕሊ 90% ጽሩይ ዝስተ ማይን እቶት ሕርሻን ኣብ ናይል እትምርኮስ ግብጺ፣ ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋ፣ ‘ስግኣት ሃገራዊ ድሕነት’ዩ’ ክትብል’ያ ትገልጹ።

መርገጺ ግብጺ ደጊፋ ዘላ ሱዳን’ውን፣ ኢትዮጵያ ምስዘን ክልተ ሃገራት ከይተላዘበት፣ ካልኣይ እብረ ምምላእ ማይ ዲጋ ተሃድሶ ከይተካይድ ተማሕጺና።

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ካልኣይ እብረ ምምላእ ማይ ኣብ ዲጋ ተሃድሶ ንምክያድ በይናዊ ስጉምቲ ክትወስድ ምዃና ሓቢራ ኣላ።

ብዘይካ ብጉዳይ ዲጋን ኣጠቓቕማ ናይልን ኣብ ዶባት’ውን ተሰሓሒበን ዘለዋ ሱዳንን ኢትዮጵያን፣ ጉዳያን ብሳልሳይ ኣካል ንምፍታሕ ዝተፈተነ ጻዕርታት ኣይተዓወተን።

ኣብዚ ጉዳይ ኣተኵሩ፣ ኣብ ፈለማ እዚ ወርሒ ኣብ ቀጠር ከተማ ዶሓ ዝተጋብአ ማሕበር ሃገራት ዓረብ፣ ንመርገጺ ሱዳንን ግብጽን ብምድጋፍ፣ ባይቶ ጸጥታ ኣብቲ ጉዳይ ጣልቓ ክኣቱ ምጽውዑ ይዝከር።

ስሉሳዊ ዘተ እንተዘይኮይኑ፣ ዝኣቱ ካልእ ኣካል ከምዘይትቕበል እትገልጽ ኢትዮጵያ፣ ነቲ ብማሕበር ሃገራት ዓረብ ዝቐረብ ጻውዒት ነጺጋቶ’ያ።

ብዛዕባ’ዚ ብሱዳን ቀሪቡ ዘሎ ጻውዒት ግና ዝኾነ መልሲ ኣይሃበትሉን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0