ባይቶ ኢትዮጵያ፣ ንሕጊ ምርጫ 2020 ኣጽዲቑ

Radio Erena: 25 August 2019

ሃገራዊ ባይቶ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ዝካየድ ሓፈሻዊ ምርጫ’ታ ሃገርን መስርሕ ተሳትፎ ተወዳደርትን ብዝምልከት ንዝቐረበ እማመ ኣጽዲቑ።
ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተመሓላለፈ ዜና ከምዘመልክቶ፣ ኣብ 149 ነጥብታት እቲ እማመ ምምሕያሻት ክግበረሉ ንዝቐረበ ሓሳብ ተቐቢሉ ከምዘመሓየሾ ይገልጽ።

ኣብቲ ብ24 ነሓሰ ዝተኻየደ ፍሉይ ኣኼባ ባይቶ ዝጸደቐ እቲ ቅጥዕታት ምርጫን ኣቃውማ ውድባትን፣ ተወዳደርቲ ክጥቀሙሉ ዘለዎም ኣገባብ ኣብ ሜድያ፣ ዘጠቓለለ ክኸውን እንከሎ፣ ማዕረ ነጥቢ ዝረኸበት ጓለንስተይቲ ብሓለፋ ትዕወት ንዝብል ሕጊ ድማ ሰሪዙዎ ኣሎ።

ንፖለቲካውያን ውድባት ብዝምልከት፣ ዝኾነ ፖለቲካዊ ውድብ ንውድድር ክቐርብ እንተኾይኑ ብዉሑዱ 10 ሽሕ ኣባላት ክህልዉዎ፣ ዞባዊ እንተኾይኑ ከኣ እንተወሓዱ 4 ሽሕ መስረትቲ ክህልዉዎ ዝእዝዝ ኮይኑ ሓሊፉ ኣሎ።

እንተኾነ 57 ተቓወምቲ ውድባት ነዚ ነጥቢ’ዚ ብምቅዋም ኣብ ዝሓለፈ እዋን ናይ ሓባር መግለጺ ምውጽኦም ዝዝከር’ዩ።

ዞባታት ሲዳማ ዘጠቓለለ ደቡባዊ ክፋል ኢትዮጵያ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝተራእየ ዓሌታዊ ግጭት ገና ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ኮማንድ ፖስት ይመሓደር እኳ እንተሎ፣ ኣብ 2020 ሓፈሻዊ ምርጫ ከምዝተመደበሉ ኣብ ወርሒ ግንቦት ክካየድ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0