ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት፣ ንፍልይቲ ልእኽቲ ኣብ ኤርትራ፣ ናይ ስራሕ ግዚኣ ብሓደ ዓመት ኣናዊሑ

Radio Erena: 19 July 2020

ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ንፍልይቲ ልእኽቲ ኣብ ኤርትራ፣ ናይ ስራሕ ግዚኣ ብሓደ ዓመት ኣናዊሑ።

ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት መበል 44 ስሩዕ ዋዕላኡ ኣብ ዘካየደሉ፣ ንጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኣብ ዝምልከት ዛዕባ ካብ ዝተሳተፋ ሃገራት እተን 24 ፍልይቲ ልእኽቲ ንሓደ ዓመት ስርሓ ክትቅጽል ኣድሚጸን።

ብኣንጻሩ 10 ሃገራት ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ዝምርምር ጉጅለ ስርሑ ክቕጽል፣ ኣይፋል ከድምጻ እንከለዋ፣ 13 ከኣ ድምጸን ዓቂበን።

ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ኣብዚ ናይ ዕለት 16 ሓምለ ውዕሎኡ፣ እቲ ጉጅለ ስርሑ ክቕጽል ምውሳኑ፣ ነቲ ኣብ ኤርትራ ተሰኒዱ ዘሎ ምግሃስ ኩሉ ዓይነት መሰላት ተወሳኺ መርትዖታት ንምርካብ ክሕግዞ’ዩ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ገዛእ ህዝቡ ዘውርዶ ዘሎ ምግሃስ መሰላት ምስ መርትዖታቱ ቀሪቡ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድሕሪ ምስምሙዑ፣ ኣብታ ሃገር ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጸም ከምዘሎ ዝእንፍት መርትዖታት ስለዝተረኽበ እዩ፣ ናይ’ታ ፍልይቲ ልእኽቲ ዕማም ክውስኽ ተገይሩ።

እንተኾነ መንግስቲ ኤርትራ እታ ጉጅለ ኣብ ኤርትራ ኣትያ ብናጽነት ስርሓ ከይተጻፍፍ ስለዝኸልከላ፣ እቲ መስርሕ በብዓመት እንዳተናሐ ይቕጽል ኣሎ።

ኤርትራውያን ተጣበቕቲ መሰላት፣ ነዚ ናይ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውሳኔ ብሓጎስ ከምዝተቐበሉዎ ገሊጾም ኣለዉ።

ሓልዮት ንሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፣ ናብ ሬድዮ ኤረና ኣብ ዝሰደዶ መልእኽቲ፣ እቲ ውሳኔ ዓወት ንሓቅን ፍትሕን እዩ ድሕሪ ምባል፣ እታ ራፖርተር ኣብ ኤርትራ ዘሎ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ንኽትስንድ ዝገበረቶ ጻዕሪ ዝድግፋ ሃገራት ብዙሓት ምዃነን ገሊጹ።

ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ መወዳእታ፣ መንግስቲ ኤርትራ ምስታ ራፖርተር ምትሕብባር ከርእይ፣ ናብ ኤርትራ ኣትያ እውን ጸብጻባ ከተጻፍፍ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Stefanos Temolso 4 years ago

    ዓመት መጽአ ተናዊሑ ክብሉ ኦድመ ስልጣን ኢሰያስ የናውሑ ኣለዉ። ንልዕሊ ዕስራ ዓመት ተናዊሑ ክብሉ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ስቓይን መከራን ኣሎ። ኣብ ልዕሊ እቲ ገበነኛ ስርዓት ስጕምቲ ክወስዱ እዩ ዘለዎም። ተናዊሑ ምባል ጥቕሚ ዝብሃል ነገር ኣይተራእየሉን።