ባንክ ዓለም፣ 5.3 ቢልዮን ዶላር ዕዳ ሶማል ክስረዝ ምዃኑ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 05 March 2020

World Bankባንክ ዓለም፣ ሶማል ንዝጸንሓ 5.3 ቢልዮን ዶላር ውህሉል ዕዳ ከምዝስርዘላ ኣፍሊጡ።

እቲ ባንክ ምስ መሻርኽቱ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ፣ ቁጠባዊ ዓቕሚ ናይተን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ንምድጋፍ ብዘውጽኦ እማመ መሰረት’ዩ ነቲ ኣዋጅ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዕላዊ ጌርዎ።

እቲ ንሶማል ካብ ዝጸንሓ ውህሉል ዕዳ ዘናግፍ ውሳኔ፣ ኣብዚ ወርሒ’ዚ ግብራዊ ንምግባሩ ምስ መንግስቲ ሶማል ስምምዕ ክትግበር ትጽቢት ኣሎ።

ብዘይካ’ዚ ነታ ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ኣብ ውድቀት እትርከብ ሶማል ንምሕጋዝ፣ ተወሳኺ ስምምዕ ፊናንስያዊ ስምምዓት ክህሉ ምዃኑ ባንክ ዓለም ኣብ መግለጺኡ ኣመልኪቱ።

ሚኒስተር ፋንይናንስ ሶማል ዓብዱራሕማን ቢሔ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ባንክ ዓለም ንውህሉል ዕዳ ሶማል ክስርዝ ምውሳኑ ታሪኻዊ’ዩ ክብል ብስም ህዝብን መንግስቲ ሶማልን ምስጋንኡ ኣመሓላሊፉ።

ባንክ ዓለም ንውህሉል ዕዳ ሶማል ዝስርዝ ዘሎ፣ ኣብ ስትራቴጅያዊ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪን ወሽመጥ ዓደንን እትርከብ ሶማል፣ ኣመሪካን ስዑዲ ዓረብን፣- ኣብ ጉዳያት የመን፣ ቀጠር፣ ቱርኪን ኢራንን ንዘለወን ፖሊሲ ብዘይጻረር መንገዲ፣ ኣብ ጎነን ንክትስለፍ ንምድፍፋእ ዝዓለመ ፖለቲካዊ ውሳኔ’ዩ ክብሉ ተንተንቲ ፖለቲካን ቁጠባን ይእምቱ።

ሶማል፣ ምስ ቀጠርን ቱርኪን ዘለዋ ዝምድና ክትበትኽ ብስዑዲ ዓረብን መሻርኽታን ጸቕጢ ክግበረላ ምጽንሑ ዝፍለጥ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0