ባንክ ዓለም፣ ኣብ ሕርሻዊን ልምዓታውን ንጥፈታት ኢትዮጵያ ዝውዕላ ሄሊኮፕተራትን ድሮናትን ንምሕጋዝ ዝኣተዎ ውዕል ሰሪዙ

Radio Erena: 25 November 2021

ባንክ ዓለም፣ ኣብ ሕርሻዊን ልምዓታውን ንጥፈታት ኢትዮጵያ ዝውዕላ ሄሊኮፕተራትን ድሮናትን ብሓገዝ ንምዕዳግ ዝኣተዎ ውዕል ከምዝሰረዘ ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣቃሊሓ።

ባንክ ዓለም ነቲ ውዕል ዝሰረዘሉ ምኽንያት፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሓገዝ ንዝረኽበን ሄሊኮፕተራትን ድሮናትን ኣብ ኵናት ከየውዕለን ካብ ዝብል ስግኣት ምዃኑ ይግመት።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ኣንጸላልዩ ብዘሎ ከቢድ ጸጥታዊ ስግኣት፣ ናይ ህጹጽ እዋን ዝኣወጀ መንግስቲ፣ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ንምምካት መድሃኒት ዝነጽጋ ንኣሽቱ ነፈርቲ ሕቡራት ሃገራት ካብ በረራ ከምዝኣገደን እታ ጋዜጣ ገሊጻ።

ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ኢትዮጵያ፣ ዕስለ ኣንበጣ ዳግም ከይርአ ተሰጊእሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ኣካል ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ውድብ መግቢ ዓለም፣ ኮለላን ዳህሳስን ዘካይዳን መድሃኒት ዝነጽጋን ሄሊኮፕተራት ይኹና ንኣሽቱ ነፈርቲ ከየብርር ምኽልኻሉ፣ ኣብቲ ዞባ ኣብ ርእሲ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው፣ ኣብ ዘራእቲ’ውን ዕንወት ከይበጽሕ የሻቕል።

ብኻልእ ወገን፣ ኵናት ኢትዮጵያ ናብ ዝልዓለ ጥርዙ በጺሑ ከምዘሎ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን፣ ሕቡራት ሃገራት ኣብታ ሃገር ናይ ዝርከቡ ዜጋታት ወጻኢ ሃገራት ኣባላቱ፣ ስድራቤታቶም ብቅልጡፍ የውጽእ ኣሎ።

ኣመሪካን ፈረንሳን ብወገነን፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ዜጋታተን ብህጹጽ ክወጹ ደጊመ ብምጽዋዕ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከጋጥም ንዝኽእል ሓደጋታት ዜጋታተን ንምድሓን ፍሉይ በረራታት ክውድባ ከምዝኽእላ ተገሊጹ።

ኣመሪካ፣ ፈረንሳን ብሪጣንያን ነዚ ዕላማ እዚ ዝቐንዐ፣ ኣብ 11 ሕዳር፣ ኣብ ጂቡቲ ሓባራዊ ናይ ነፈርቲ ልምምድ ከምዘካየዳ ይዝከር።

ጀርመን’ውን ኣሰር እዘን ሃገራት ብምስዓብ ዜጋታታ ካብ ኢትዮጵያ ብዝቐልጠፈ ክወጹ ኣጠንቂቓ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ፣ ኣህጉራዊ ማዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ፣ ኣኣብ ታሪኹ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ካብታ ሃገር ክወጹ ብዝድልዩ ሰባት ኣዕለቕሊዑ ከምዘሎ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር የመልክቱ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0