ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ፣ ንሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ 2 ቢልዮን ዶላር ክምውል’ዩ

ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ፣ ንሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ 2 ቢልዮን ዶላር ክምውል’ዩ

Radio Erena: 14 November 2018

AFDB

ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ፣ ንሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ 2 ቢልዮን ዶላር ክምውል’ዩ ምዃኑ ተሓቢሩ።

እቲ ምወላ፣ ኣብ ምህናጽ፣ ዝተፈላለየ ናይ ትሕተ ቅርጺ ፕሮጀክታት ክውዕል ምዃኑ ማዕከን ዜና ዘ ኢስት ኣፍሪካ ኣፍሊጡ።

ካብዚ ምውላ ቀንዲ ተረባሕቲ ዝኾና ሃገራት፣ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ጅቡቲ፣ ሶማል፣ ሱዳንን ሲሸልስን’የን።

እቲ ንኣርባዕተ ዓመታት ተመዲቡ ዘሎ ምውላ፣ ናብ 3 ቢልዮን ክዓቢ ተኽእሎ ከምዘሎ’ውን ሰበ ስልጣን ናይቲ ባንክ ይእምቱ።

ኣውራ ዕላማ እቲ ምወላ፣ ነቲ ኣብ መንጎ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዘሎ ምንቅስቃስ ሰባትን ንግድን ከምኡ’ውን ምምዕባል ፊናንሲያውያን ትካላን ንምቅልጣፍ ምዃኑ ዋና ዳይረክተር ናይቲ ባንክ ኣብቲ ዞባ ኔና ኑዋብፎ ኣነጺራ።

ኣብ ኣይቮሪኮስት፣ ከተማ ኣቢጃን ዝመደበሩ፣ ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ ንዝተፈላለየ ፕሮጀክታት ናይዛ ኣህጉር ክምውል ምጽንሑ ዝፍለጥ’ዩ።

==================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0