ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ትዝከር ኣላ

Radio Erena: 01 September 2020

ባሕቲ መስከረም፣ መበል 59 ዓመት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ትዝከር ኣላ።

እዛ ዕለት፣ ህዝቢ ኤርትራ፣ መሰል ርእሰ ውሳኔኡ ብሕጋዊን ሰለማዊን መንገዲ ስለዝተነፍጎ፣ ብረት ከልዕል ዝተገደደላ ዕለት’ያ።

ህዝቢ ኤርትራ፣ ካብዛ ዕለት እዚኣ ኣትሒዙ ክሳብ ዕለተ ናጽነት ኣብ 1991፣ ኣብ ውሽጢ 30 ዓመታት ቃልሲ፣ 10ታት ኣሽሓት መስዋእትን ስንክልናን ከፊሉ እኳ እንተኾነ፣ ከም ባህጉ ውልቃዊ ሓርነቱን መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላቱን ክሕሉ ዝኽእል ደሞክራስያዊ ስርዓት ኣይተተኽለን።

ብኣንጻሩ፣ ቃልሲ ንናጽነትን ሓርነትን ህዝቢ ኤርትራ፣ ብውሑዳት ተጨወዩ፣ ን30 ዓመታት ብሓደ ሰብ ዝተዓብለለ ሕሉፍ ምልካዊ ስርዓት ይቕጽል ከምዘሎ ሓያሎ ይወቕሱ።

ይኹን’ምበር፣ ባሕቲ መስከረም፣ ኣብ ኤርትራ ክረጋገጽ ዘይክኣለ መሰላት ዜጋታት፣ ሓርነትን ምትካል ደሞክራስያዊ ስርዓትን ንምውሓሱ ቃልሲ ዜጋታት ክቕጽል ከምዘለዎ እተዘኻኽር ዕለት ምዃና፣ ኣብዚ ኣጋጣሚ ሓያሎ ኤርትራውያን ውድባትን ፖለቲካውያን ሰልፍታትን የተሓሳስባ።

============

COMMENTS

WORDPRESS: 0