ቢንያም ግርማይ፣ ንካልኣይ ዓመት ኣከታቲሉ “ብሉጽ ተቐዳዳማይ ኣህጉር ኣፍሪቃ” ተሸሊሙ

Radio Erena: 14 December 2021

ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ በልጅዉማዊት ዎርልድ ቱር ቲም ቢንያም ግርማይ፡ ንካልኣይ ዓመት ኣከታቲሉ ወናኒ ሽልማት “ብሉጽ ተቐዳዳማይ ኣህጉር ኣፍሪቃ” ንምዃን በቒዑ።

ዓመታዊ “ብሉጽ ተቐዳዳማይ ኣህጉር ኣፍሪቃ” እትመርጽ ብኣቦመንበርነት 5 ግዜ ተሸላሚ ብጫ ማልያ ቱር ዲ ፍራንስ ዝኾነ ፈረንሳዊ በርናርድ ሂኖ እትምራሕ፡ ንኣሰልጠንቲ፡ ዳይሬክተራት ስፖርት፡ መራሕቲ ጋንታን፡ ኣፍሪቃውያንን ኤውሮጳውያንን ጋዜጠኛታትን ዝሓቖፈት ሽማግለ፡ ኣብ ዝሓለፈ 26 ሕዳር፡ 5 ኤርትራውያን ዝርከብዎም 15 ተቐዳደምቲ ነዚ ሽልማት ሓጽያ ምንባራ ይዝከር።

ሎሚ ሰሉስ 14 ታሕሳስ ዕላዊ ኣብ ዝገበረቶ ውጽኢት ድማ፡ ወዲ 21 ዓመት ቢንያም ግርማይ ተዓዋቲ ምዃኑ እታ ሽማግለ ኣፍሊጣ።

ንቢንያም ስዒቡ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ራያን ጊቦንስ ብካልኣይ ደረጃ ነዚ ሽልማት ክርቛሕ ከሎ፡ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ መርሃዊ ቅዱስን ሄኖክ ሙሉብርሃንን ድማ፡ ሳልሳይን ራብዓይን ተርታ ሒዞም።

ናትናኤል ተስፋጽዮን ናሆም ዘርኣይን ከኣ፡ ብቀደም ተኸተል መበል ሻብዓይን 11ን ደረጃ ተሰሪዖም።

ነዚ ካብ 2012 ኣትሒዙ ክወሃብ ዝጀመረ ክብሪ፡ ቅድሚ ሕጂ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ፡ ናትናኤል ብርሃነ ኣብ 2012፡ መኽሰብ ደበሳይ ኣብ 2014፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ኣብ 2015፡ ተስፎም ዑቕባማርያም ኣብ 2016፡ ቢንያም ግርማይ ኣብ 2020 ተዓዊቶሙሉ ኔሮም።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0