ቢሻ፣ ኣብ ከቢድ ቅልውላው ወዲቑ ከምዘሎ ተገሊጹ

    ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ዕደና ቢሻ፣ ብሰንኪ ዋጋ ማዕድን ኣብ ዕዳጋ ዓለም ምንቁልቋልን ብልሽውናን ኣብ ከቢድ ቅልውላው ወዲቑ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

    ዕደና ቢሻ ናብ ዕዳጋ ዓለም ዘቕርቦ ምህርቱ ብሉጽን ተጠላብነት ዘለዎን ኮይኑ ብምጽንሑ ኣታዊታቱ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ክብ ከብል’ኳ እንተጸንሐ፣ ወጻእተኛታት ክኢላታት’ቲ ትካል ብብልሽውና ዝተቖማጥዑ ብምዃኖም ክሳራታት ከርኢ ምጅማሩ ይሕበር።

    ኣብ ርእሲ’ዚ ዋጋ ወርቂ፣ ብሩርን ነሓስን ኣብ ዕዳጋ ዓለም ኣንቆልቊሉ ብምህላዉ፣ ኣብ ትካል ዕደና ቢሻ ርኡይ ኣሉታዊ ጽልዋ ኣኸቲሉ ከምዘሎ ምንጭታትና ብተወሳኺ ሓቢሮም።

    መንግስቲ ኤርትራ ኣሽሓት ዶላራት ዝኽፈሉ ክኢላታት ካብ ወጻኢ ሃገራት ከምጽእ ዝጸንሐ ኮይኑ፣ በብዝተፈላለየ ምኽንያት ብናይ ወጻኢ ሸርፊ ከእትዉዎ ዝጸንሑ ኣቑሑት ኣብ ክፍሊ ሎጂስቲክስን መኽዘንን’ቲ ትካል ሕንፍሽፍሽ ክፈጥር ጸኒሑ’ዩ።
 
    ኤርትራውያን ሰራሕተኛታት ቢሻ፣ ብዛዕባ’ዚ ብወጻእተኛታት ዝግበር ዘሎ ብልሽውና፣ ናብ ሚኒስትሪ ጸዓትን ማዕድንን ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ጥርዓን ከቕርቡ’ኳ እንተጸንሑ፣ መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ንምፍታሕ ዝኾነ ስጉምቲ ኣይወሰደን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0