በዓልቲ ቤት ንመራሒ ዱባይ፣ ኣብ ግዱድ ሓዳር ከይትጸንሕ፣ ውሕስነት ክወሃባ ንቤት ፍርዲ እንግሊዝ ሓቲታ

Radio Erena: 02 August 2019

በዓልቲ ቤቱ ንመራሒ ዱባይ ሸኽ መሓመድ ቢን ራሺድ ኣል ማኽቱም፣ ልእልቲ ሃያ ቢንት ኣል ሑሰን፣ ኣብ ግዱድ ሓደር ከይትጸንሐ፣ ውሕስነት ክወሃባ ናብ ቤት ፍርዲ ከተማ ለንደን ምሕታት ሲኤንኤን ሓቢሩ።

ንሳ፣ ብዘይካ’ዚ፣ ምሉእ ሓላፍነት ክልተ ደቃ ክወሃባ’ውን ሓቲታ ኣላ።

ካብ ዱባይ ናብ ኢንግዚል ድሕሪ ምእታዋ ደሃይ እጥፊኣ ዝጸንሐት ልእልቲ ሃያ፣ ሻድሸይቲ በዓልቲ ቤት ሸሕ መሓመድ ኣል ማኽቱም’ያ።

ደቂ ናብ ዱባይ ክምለሱ ዝሓትት ዘሎ ሸኽ መሓመድ፣ ጉዳዩ ንምክትታል ኣብ ቤት ፍርዲ ለንደን ኣይተረኽበን።

ወናኒ ቢልዮናት ዶላራት ዝኾነ፣ መራሒ ዱባይ ሸኽ መሓመድ ቢን ራሺድ ኣል ማኽቱም፣ ኣብ ርእሲኡ፣ ምክትል ፕረዚደንትን ቀዳማይ ሚኒስተርን ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ምዃኑ ይፍለጥ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0