ቐጠርን ኤርትራን ጽዑቕ ርክባት ኣካይደን

ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ መዓልታት ጥራይ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ቐጠርን ኣምባሳደር ቐጠር ኣብ ኣስመራን ተደጋጋሚ ዝርርብ ኣካይዶም።

 

ኣገልግሎት ዜና ቐጠር ካብ ዶሓ ኣብ ዘመሓላለፎ ጸብጻብ፣ ሚኒስተር መጓዓዝያን መራኸቢታትን ኤርትራ ኣቶ ወልደሚካኤል ኣብርሃ ምስ ኣምባሳደር ቐጠር ኣብ ኤርትራ መሓመድ ቢን ዒሳ ኣል ማናኢ ተራኪቡ ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት ተዛረርቡ።

ቅድሚኡ’ውን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማን ገብርኣብ ምስቲ ኣምባሳደር ተመሳሳሊ ዝርርብ ከምዘካየድ እቲ ማዕከን ዜና ገሊጹ።

ብተመሳሳሊ’ውን ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ቐጠር ኣቶ ዓሊ ኢብራሂም ኣሕመድ ምስ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያትን ኣቦ መንበር ባይቶ ሚኒስተራትን ቀጠር ሸኽ ዓብደላ ቢን ናስር ቢን ከሊፋ ኣልታኒ ተራኺቡ ዕጹው ዝዝርብ ኣካይዱ።

እዚ ቐጠርን ኤርትራን ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ዘካድኦ ተደጋጋሚ ዕጹው ዝርርባት ኣብ ውሽጣዊ ኩነታት ኤርትራ፣ ጉዳያት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ጉዳይ ሶማል ከምኡ ድማ ኣብ ጉዳይ እቲ ቐጠር ብመንጎኝነት ሒዛቶ ዘላ ምስሕሓብ ጅቡትን ኤርትራን ዘተኮረ ምዃኑ’ዩ ዝሕበር።

33 ዓመት ዝዕድሚኡ ሓድሽ ኣሚር ቐጠር ሸኽ ታሚም ቢን ሓማድ ቢን ካሊፋ ኣልታኒ ስልጣን ካብ ኣቡእይ ተረኪቡ ሓድሽ መንግስቲ ድሕሪ ምቛሙ፣ ርክብ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራን ቐጠርን እዚ ናይ መጀመርያ እዋኑ’ዩ።

=========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0