ቆንስል ኤርትራ ኣብ ጀኔቫ፣ ኣብታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ኤርትራውያን ጸቕጢ ይገብር ከይህሉ ምጽራይ ክካየድ ይሕተት

ቆንስል ኤርትራ ኣብ ጀኔቫ፣ ኣብታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ኤርትራውያን ጸቕጢ ይገብር ከይህሉ ምጽራይ ክካየድ ይሕተት

Radio Erena: 16 October 2017

Tribune de Geneve

መንግስቲ ኤርትራ፣ ብመንገዲ ‘ቲ ኣብ ጀኔቫ ዝርከብ ቆንስል ኣቢሉ፣ ኣብታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ኤርትራውያን ጸቕጢ ይገብር ከይህሉ ምጽራይ ክካየድ ይሕተት።

እዚ ዝሕተት ዘሎ፣ Pré en Bulle ብዝተባህለ ማሕበር ተዳልዩ ካብ 22 ክሳብ 24 መስከረም ኣብ ጄኔቫ ኣብ ዝተኻየደ ባህላዊ ፌስቲቫል፣ ኤርትራውያን ከይሳተፉ ብመንገዲ’ቲ ኣብታ ከተማ ዝርከብ ቆንስል ድሕሪ ዝተገብረሎም ጸቕጢ’ዩ።

ጋዜጣ ትሪቡን ደ ጀነቭ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝዘርግሖቶ ሓበሬታ፣ ነቲ ካብ 2002 ኣትሒዙ ተመሳሳሊ ባህላዊ ፌስቲቫላት ከዳሉ ዝጸንሐ ማሕበር Pré en Bulle፣ ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝኾነይ ይኹን መንግስቲ ወይ ኤምባሲ ከምዚ ዓይነት ተጻብኦታት ኣጋጢሙዎ ከምዘይፈልጥ ብምጥቃስ፣ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብቆንስል ኤርትራ ዝተፈተነ ጸቕጢ፣ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ እቲ ማሕበር ምትእትታው’ዩ ክትብል ወቒሳ።

ኣብ ከተማ ጀኔቫ ዝመደበሩ ቤት ጽሕፈት ቆንስል ኤርትራን ወኪል ህግደፍን፣ ነቲ pré en bulle ብዝተባህለ፣ ብፈዴራላዊ መንግስቲ ስዊስ፣ ቤት ጽሕፈት ኢንተግሬሽን ምምሕዳር ከተማ ጅኔቫን ዝድገፍ ማሕበር፣ ዝተዳለወ ባህላዊ ፌስቲቫል ኤርትራውያን፣ ብዘይኣፍልጦን ፍቓድን መንግስቲ ኤርትራ ክካየድ የብሉን ብምባል ደው ከብሎ ምፍታኑ ኣቐዲሙ ብሬድዮ ኤረና ተቓሊሑ’ዩ።

እቲ ቤት ጽሕፈት ቆንስል ብተወሳኺ፣ ኣብቲ ብዘይኣፍልጦን ደገፍን መንግስቲ ኤርትራ ዝካየድ ፌስቲቫል ዝሳተፍ ዝኾነ ኤርትራ ተሓታቲ ምዃኑ ከምዘፋራርሐ’ውን ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብታ ከተማ ጠቒሶም’ዮም።

እቲ ባህላዊ ፌስቲቫል ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ዕላማ ከምዘይነበሮን፣ ንኤርትራውያን ምስ ሕብረተሰብ ስዊስ ንምውህሃዶም ዘንቀደን ምንባሩ’ዩ ዝግለጽ።

ይኹን’ምበር ቆንስል መንግስቲ ኤርትራ፣ ብዘይ ኣፍልጦ መንግስቲ ኤርትራ ዝካየድ ዝኾነ ዓይነት ምትእኽካብ ኤርትራውያን ከምዘይድግፍ ብምጥቃስ ደው ክብል’ዩ ናብቲ ማሕበር ኣብ ዝልኣኾ መልእኽቲ ዘጠንቕቕ።

ደገፍቱ ንዝኾኑ ድምጻውያን ዝርከብዎም ኤርትራውያን ስነጥባባውያን ካልኦትን ከይሳተፉ ብዘቕረበሎም ምፍርራሕ ከኣ ደሃብ ፋቲንጋ እትርከቦም ደረፍቲ፣ ተታሒዝሎም ዝነበረ ምርኢት ክስርዝዎ ከምዝተገደዱ ይፍለጥ።

ቆንስል ኤምባሲ ኤርትራ፣ ኣብ ውሽጣዊ ስራሕና ምትእትታው ከካይድ ፈቲኑ ብዝብል ክሲ፣ ነቲ ባህላዊ ፌስቲቫል ዘካየደ ማሕበር፣ ሕጋዊ ስጉምቲ ንምውሳድ ምስ ምምሕዳር ከተማ ጄኔቭን ካልኦት ኣካልት መንግስቲ ስዊዘርላንድን ዝርርብ ኣብ ዝጀመረሉ ድማ፣ ቆንስል መንግስቲ ኤርትራ፣ እቲ ፌስቲቫል ምስቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝምእከል ማሕበርኮም ዘዳልዎ ፌስቲቫል ምድንጋር ስለዝፈጠረ’ዩ ዘይምርድዳእ ስዒቡ ክብል ሸሊል ኢሉ’ዩ ክሓልፎ ፈቲኑ።

ቆንስል ኤምባሲ ኤርትራ፣ ኣብታ ከተማ ንዝነብሩ ኤርትራውያን 2 ካብ ሚእቲ ክኽፈሉ ጸቕቲ ይገብር ኣሎ ብዝብል ምኽንያት፣ እቲ ቆንስል ጠቕሊሉ ክዕጾ ኣብ ነሓሰ 2015 እማመ ምቕራቡ ይዝከር።

ፈደራላዊ ፖሊስ ስዊዘርላንድ ብዛዕባ’ቲ ዝቐረብ ክሲ ምጽራይ እኳ እንተካየደ፣ ብገበን ዘኽስስ መርትዖ ከምዘይተረኽበ ብምጥቃስ፣ እቲ ጉዳይ ዕቱብ ምክትታል ክግበረሉ ክብል’ዩ ደምዲሙ።

ብመሰረት ጸብጻብ ትሪቡን ደ ጀነቭ፣ ኣብ ስዊዘርላንድ ኣስታት 20 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክህልዉ እንከለዉ እቶም ኣስታት 1400 ካብዚኣቶም ኣብ ከተማ ጄኔቭን ከባቢኣን’ዮም ዝነብሩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ፈደራላዊ መንግስቲ ስዊዘርላንድ ንኤርትራ ዝህቦ ኣብ ስልጠና ዘተኮረ ተክኒካዊ ሓገዝ ንዓሰርተ ዓመታት ኣቋሪጽዎ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ዳግማይ ክጽሎ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

=============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0