ቆንስል ኤርትራ ኣብ ካናዳ፣ ደገፍቲ መንግስቲ ኣብ ናይ ክረምቲ ዕረፍቶም ናብ ኤርትራ እናገሹ ክልተካብ ሚእቲ ክኸፍሉ ይሕብሮም ኣሎ

ቆንስል ኤርትራ ኣብ ካናዳ፣ ደገፍቲ መንግስቲ ኣብ ናይ ክረምቲ ዕረፍቶም ናብ ኤርትራ እናገሹ ክልተካብ ሚእቲ ክኸፍሉ ይሕብሮም ኣሎ

Radio Erena: 14 July, 2014

con in can

ቤት ጽሕፈት ቆንስል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ካናዳ፣ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ደገፍቲ መንግስቲ 2 ሚእታዊት ካብ እቶቶም ብምኽንያት ናይ ክረምቲ ዕረፍቲ ናብ ኤርትራ ኣብ ዝገሽሉ ክኸፍልዎ ይሕብሮም ኣሎ።

እቲ ቤት ጽሕፈት ነዚ ዝሕብር ዘሎ፣ መንግስቲ ካንዳ፣ ምኽፋል ክልተ ካብ ሚእቲ ሕጋዊ ኣይኮነን ብዝብል ነቲ ነቲ ቆንስል ክዓጽዎ ምዃኑ ኣብ ዘጠንቕቐሉ ዘሎ ግዜ’ዩ።

መንግስቲ ካናዳ፣ ብሰንኪ’ዚ ዘይሕጋዊ ዝብሎ ምኽፋል ክልተ ካብ ሚእቲ ንዝሓለፈ ዓመት ንቖንስል መንግስቲ ኤርትራ ካብ ቶሮንቶ ክሰጎ እንከሎ፣ እቲ መስርሕ ምኽፋል ክልተ ካብ ሚእቲ ብዘይምቁራጹ ድማ ንቤት ጽሕፈት ቆንስል መንግስቲ ኤርትራ ጠቕሊሉ ክዓጽዎ ምዃን’ዩ ዘጠንቕቕ።

 

ካናዳ፣ ምእካብ 2 ካብ ሚእቲ ዘይሕጋዊ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ነቲ ብባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዝተወሰነ እገዳ’ውን ዝጥሕስ’ዩ ብማል’ዩ፣ ቆንስል’ቲ መንግስቲ ኣብ መሬታ ካብ ዝርከቡ ዜጋታቱ ዝኾነ ዓይነት ግብሪ ከየኽፍል ዝኣገደት።

================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0