ቆንስል ሚኒስተራት ሱዳን፣ ናይ 2020 ዓመተምህረት ሃገራዊ ባጀት ኣጽዲቑ

Radio Erena: 29 December 2019

ቆንስል ሚኒስተራት ሱዳን፣ ንፈለማ እዋኑ ናይ 2020 ዓመተምህረት ሃገራዊ ባጀት ኣጽዲቑ።

እቲ ቆንስል ሚኒስተራት ብዓርቢ 27 ታሕሳስ ንልዕሊ 7 ሰዓታት ኣኼባ ድሕሪ ምክያድ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ካብ ኣብ ነዳዲ ዝግበር ድጎማ ጀሚሩ ክሳብ ሕክምናዊ ኣገልግሎታት ዝዝርጋሕ ሰፊሕ ፊስካላዊ ባጀት ከምዘጽደቐ፣ ሚኒስተር ፋይናንስ ኢብራሂም ኣል-በዳዊ ኣፍሊጡ።

ንሱ ኣብ መግለጺኡ ንጹር መጠን ገንዘብ ደኣ ኣይግለጽ እምበር፣ ኣብ ጽላታት ጥዕናን ትምህርትን ዝያዳ ወፍሪ ከምዝካየድ፣ ኣብ ልዕሊ ተመሃሮ ዝነበረ ጽዕነት ክፍሊት ስማዊ ከምዝኸውን፣ ኣብ ቤት ትምህርታት ዝቕረብ መግቢ ክዓዝዝ ዝብል ከምዝርከቦ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እቲ ን2020 ተኣሚሙ ዘሎ ባጀት፣ ደሞዝ ሰራሕተኛታት መንግስቲ እውን ብ100 ሚእታዊት ከምዝውስኽ ተገሊጹ።

ከምዝዝከር ኣብ 23 ታሕሳስ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ፣ መንግስቲ ሱዳን መሰረታዊ ቁጠባዊ ምትዕርራይ እንተዘይገይሩ፣ እታ ሃገር ኣብ ከቢድ ቅልውላው ክትኣቱ ምዃና ኣጠንቂቑ እዩ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ንነፍሲ ወከፍ ስድራቤት ናይ 1,500 ፓውንድ ወርሓዊ ክዕድል መደብ ኣውጺኡ ኣሎ። በዚ ንፈተነ ዝጅምር ፕሮጀክት 900 ሽሕ ስድራቤታት ተጠቐምቲ ክኾና እየን።

ኣብዚ ፕሮጀክት 300 ሽሕ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ እውን ብቐጥታ ናብ ናይ ባንክ ሕሳቦም ዝኣቱ መጠን ገንዘብ ተሰሊዑሎም ኣሎ።

ሚኒስተር ዜና እታ ሃገር ፈይሰል መሓመድ ሳልሕ፣ እቲ ንፋይናንስያዊ ባጀት ብዝምልከት ዝተኻየደ ኣኼባ ናይ መጀመሪያ ተመኩሮ ኣብ ፖለቲካ ሱዳን ምንባሩን፣ ግሉጽነት ብዝመልኦ ክትዕ ከምዝተኻየደን ኣመልኪቱ።

ኣብ ምዕላው ስርዓት ኣልበሽር ዝለዓለ ተራ ዝተጻወተ ሓይሊ ንናጽነትን ለውጥን ከምኡ’ውን ሰልፊ ኮንግረስ ሱዳን፣ ነቲ እማመ ኣቐዲሞም ከምዝነጸጉዎ ይዝከር።

COMMENTS

WORDPRESS: 0