ቁጠባ ኤርትራ ኣብ 2023 ከንቆልቁል ከም ዝኽእል ተኣሚቱ

Radio Erena: 13 March 2023

ዓለምለኻዊ ማዕከን ገንዘብ፡ ቁጠባ ኤርትራ ኣብዚ ዓመት፡ ከንቆልቁል ከም ዝኽእል ኣሚቱ።

ዓለምለኻዊ ማዕከን ገንዘብ ቁጠባ ኤርትራ ካብቲ ንሃገራት እዚ ዞባ ኣመልኪቱ ዘቐመጦ ናይ 3.6 ሚእታዊት ንታሕቲ ብምምዝጋብ፡ ከንቆልቁል ከም ዝኽእል ሓቢሩ።

ብሰንኪ ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክሬይንን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ዕዳጋታት ዓለም ኣብ ቅልውላው ከም ዘሎን፡ ብፍላይ እተን ዝዓበያ ኣፍረይቲ እኽሊ ዝኾና ሃገራት ዝወልዖኦ ኲናት፡ ዋጋ መግቢ ብደረጃ ዓለም ክኸብር ጠንቂ ኮይኑ ምህላዉ ብምግላጽ፡ ኣብ 2022 ዝተራእየ ክብረ ወሰን ዝሓዘ ልዑል ዋጋ መግቢ፡ኲናት ብምቕጻሉ ኣብ 2023 እውን ደጊሙ ከም ዘጋጥም እቲ ብሓሙስ 9 መጋቢት ዝወጸ ጸብጻብ ብተወሳኺ ሓቢሩ።

ኣብ ሃገራት ትሕተ ሳህራ ብፍላይ፡ ኤርትራ፡ ቡርክናፋሶ፡ ዙምባብዌ፡ ማሊ፡ ናይጀርያን ኮሞሮስን በዚ ቅልውላው ዝያዳ ክህሰያ ከም ዝኽእላን፡ መጠን ዕቤተን ከንቆልቁል ከም ዝኽእል እዩ IMF ዝገልጽ።

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብዚ ዓመት ደርቂ ክኽሰት ከም ዝኽእል ይንገር ምስ ምህላዉ፡እዚ ናይ IMF ጸብጻብ፡ ኤርትራ ኣብ መዳይ ቀረብን ዋጋታትን መግቢ ማዕረ ክንደይ ኣብ ተኣፋፊ መድረኽ ከም ዘላ ዘመላኽት`ዩ ክብሉ፡ ተንተንቲ ቁጠባ ኣመታቶም ይገልጹ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Yemane Mengis 1 year ago

    This is a joke. Which Eritrean economy are you talking about. An economy that is reduced to producing nothing, through a systematic wiping out its productive human force and obliterating its productive system, hence fully made to depend on remittances, extortion, rent-seeking and corruption cannot be said to be economy, interns of the proper sense of the word. Eritrea’s is but a dead economy,  which has been stuck in the rock bottom for decades now. One cannot go lower than that.