ቀ/ሚ ኣብይ፣ ፕረዚደንት ኤርትራ ንጻውዒት ሰላም እወታዊ ምላሽ ምሃቡ ከምዘሐጎሶ ገሊጹ

ቀ/ሚ ኣብይ፣ ፕረዚደንት ኤርትራ ንጻውዒት ሰላም እወታዊ ምላሽ ምሃቡ ከምዘሐጎሶ ገሊጹ

Radio Erena: 22 June 2018

Abiy from Welkite

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብምኽንያት 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ንጻውዒት ሰላም ኢትዮጵያ ብእወታ ምቕባሉ ከምዘሐጎሶ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ገሊጹ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ኣብ ደቡባዊ ክልል ኢትዮጵያ ዝተጎሃሃረ ግጭት ንምፍታሕ ናብ ወልቂጤ ገይሽሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ኣብ ዝሃቦ ቅልጡፍ ምላሽ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ኣዲስ ኣበባ ልኡኽ ከበግስ ምዃኑ ምግላጹ ከምዘሐጎሶ ድሕሪ ምጥቃስ ነቲ ልኡኽ ከም ወጻእተኛ ዘይኮነ ከም ኢትዮጵያዊ ናይ ኣሕዋት ኣቐባብላ ከምዝገብረሉ ተዛሪቡ።

ምስ ኤርትራ ሓቢርና ንሰላም ክንሰርሕ ኢና ዝበለ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ክቡር ዕለት ሰማእታት ታሪኻዊ መልእኽቲ ምምሕልላፉ ኣመጕሱ።

መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፣ ኤርትራውያን ምእንቲ ናጽነትን ደሞክራስን ሃገሮም ዝኸፈልዎ መስዋእቲ ዝዝክርሉ ዕለት ስለዝኾነ ኢትዮጵ’ውን ከምእተኽብሮ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ኣብቲ ብትግርኛን ኣምሓርኛን ዝተዛነቐ መልእኽቱ ኣገንዚቡ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ወርሒ ለካቲት ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ኣብ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ’ውን ናይ ሰላምን ምዕባለን ለውጢ ንምርግጋጽ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ድሌት ከምዘለዎ ንምንጽብራቕ፣ ብዘይካ ናብ ኤርትራ ናብ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካይዱ ኣሎ።
==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0