ቀ/ ሚ ኢትዮጵያ፣ ካብ ኣፍሪቃ ወጻኢ ፈላሚ ዑደቱ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣካይዱ

ቀ/ ሚ ኢትዮጵያ፣ ካብ ኣፍሪቃ ወጻኢ ፈላሚ ዑደቱ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣካይዱ

Radio Erena: 21 May 2018

Ethiopian PM in Riyhad

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብዩ ኣሕመድ፣ ንጉስ ሳልማን ብዝገበረሉ ዕድመ መሰረት ካብ ኣፍሪቃ ወጻኢ ፈላም ዑደቱ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣካይዱ።

ንሱ ካብ 17 ክሳብ 19 ግንቦት ኣብታ ሃገር ኣብ ዝጸንሓሉ፣ ምስ ንጉስ ሳልማን፣ ወራሲ ዓራትን ሚኒስተር ምክልኻልን ቢን መሓደም ሳልማንን ካልኦት ሰበ ስልጣንን እታ ሃገር፣ ኣብ ዞባዊ ጉዳያት፣ ኣብ ጸጥታን ሓባራዊ ወርፍን ንግድን ብምትኳር ተዘራሪቡ።

ድሕሪ’ቲ ዝተኻየደ ዝርርብ፣ ስዑዲ ዓረብ ከም መርኣያ ጽቡቕ ድሌታ፣ ዝተፈላለየ ገበናት ፈጺሙ ተኣሲሮም ዝርከቡ ኣስታት ሓደ ሽሕ ኢትዮጵያ ብምሕረት ክትፈትሕ ምዃና ከምዝገለጸት መንግስታዊ ማዕኸን ዜና ኢትዮጵያ ሓቢሩ።

ስዑዲ ዓረብ፣ ብዛዕባ’ዚ ብዝምልከት ዛጊት ዝኾነ ወግዓዊ ሓበሬታ ኣይሃበትን።

====================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0