ቀ/ሚ ሶማል ኣብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ

ቀ/ሚ ሶማል ኣብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ

Radio Erena: 30 May 2018

Somali PM in Addis

ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል ሓሰን ዓሊ ኸይረ ዝምርሖ ወኪል መንግስቲ ሶማል ኣብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ከምዝፈጸመ ምንጭታት ዜና ካብ ሞቛድሾ ሓቢሮም።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ካብ 25 ክሳብ 27 ግንቦት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝጸንሐሉ ምስ ኢትዮጵያዊ መዘንኡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዩ ኣሕመድን ካልኦት ሰበ ስልጣንን ብምርኻብ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ተዘራሪቦም።

እቶም መራሕቲ ብፍላይ ኣብ ጉዳይ እቲ ኣብ ሶማል ዝተዋፊሩ ዝርከብ ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓባራዊ ናይ ጸጥታ ስምምዓት ብዝምልከት ብዕምቆት ከምዝዘተዩ ተገሊጹ።

ኣብ ካልእ ናይ ሶማል ዜና፣ ዐመር ዳሕላ ማሕሙድ ዝተባለ ኣባል ባይቶ ሶማል፣ ኣብ ከተማ ሞቛድሾ መንነቶም ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት ከምዝተቐንጸለ ምንጭታት ዜና ካብታ ከተማ ሓቢሮም።

እቲ ኣባል ባይቶ፣ ዋባሪ ኣብ ዝተባህለ ክፋል ሶማል ብ28 ግንቦት ከምዝተቐትለ ፖሊስ ናይቲ ከባቢ ኣረጋጊጽዎ ኣሎ።

ዓሊ ዓብዱላሂ ዓብዲ ዝተባህለ ካልእ ኣባል ፓርላማ’ውን ብዝተኻየደሉ ተመሳሳሊ ፈተነ ቅትለት፣ ካብ ሞት ክድሕን እኳ እንተኸኣለ፣ ብኸቢድ ቆሲሉ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

እቶም ክልተ ኣባላት ፓርላማ ብመኪና እናተንቀሳቐሱ እንከለዉ’ዩ መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት ሃንደበታዊ ቶኽሲ ከፊቶምሎም።

ናይቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል እኳ እንተዘየለ፣ ኣልሸባብ ፈጺምዎ ክኸውን ከምዝኽእል ይእመንት።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0