ቀ/ሚ ሱዳን፣ ጠንቂ ናዕቢ ዞባ ከሰላ ንዝኾነ ኣማሓዳሪ ካብ መዝነቱ ሰጕጉ

Radio Erena: 15 October 2020

ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ፣ ኣምሓዳሪ ዞባ ከሰላ ኮይኑ ንዝተመዘዘ ሳልሕ ዓማር ካብ ስልጣኑ ከምዝሰጎጎ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነቲ ካብ ኣማሓዳሪ ዝሰጎጎሉ ምኽንያት፣ ኣንጻሩ ኣብ ከሰላን ፖርት ሱዳን ድሕሪ ዝተኻየደ ተደጋጋሚ ናዕብን ተቓውሞን’ዩ።

ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፣ እቲ ካብ ቀቢላ ቤን ዓምር ዝኾነ ኣማሓዳሪ ክእለ ዝጠለብ ተቓውሞን ኣድማን ብሄረ ቤጃ፣ ንወደብ ፖርት ሱዳን ንክልተ መዓልታት ከምዝሰናኸል ጌሩ።

እቲ ካብ ሲቪላዊ ወገን ምዃኑ ዝተገልጸ ሳልሕ ዓማር፣ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን፣ብዘቖመ ወትሃደራዊ ኣካል’ዩ ኣብ ወርሒ ሓምለ ናይዚ ዓመት’ዚ ተመዚዙ።

እንተኾነ፣ ኣብ ዞባ ምብራቕ ሱዳን ዓብለልቲ ዝኾኑ ብሄረ ቤጃ፣ ኣንጻሩ ኣድማን ናዕብን ከካይዱ ጸኒሖም።

ብሰንኩ ኣብ ዝተኻየደ ተደጋጋሚ ኣድማን ናዕብን፣ ሓያሎ ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፣ ብሚልዮናት ዶላር ዝግመት ክሳራታት’ውን ስዒቡ’ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ፣ ብ13 ጥቅምቲ ኣብ ዘሕለፎ ውሳኔ ድማ፣ እቲ ካብ ህዝቢ ቤረ ቤጃ ተቐባልነት ዘይረኸበ ኣማሓዳሪ፣ ከም ዝእለ ጌሩ ‘ሎ።

=================

ርእይቶ

WORDPRESS: 0