ቀ.ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኩሎም ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፍትሑ ምዃኖም  ገሊጹ

ቀ.ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኩሎም ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፍትሑ ምዃኖም ገሊጹ

Radio Erena: 04 January 2018

haylemariamኢትዮጵያ፣ ኩሎም ናይ ፖለቲካ እሱራት ክትፈትሕ ምዃና ንመግለጺ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ብምጥቃስ ቢቢሲ ሓቢራ።

ብመሰረት መግለጺ ቢቢሲ፣ ኢትዮጵያ ነቲ ሓደ ካብቲ ናይ ፖለቲካ እሱራት ዝተሓዝሉ ኣብያተ ማእሰርቲ ክትዓጽዎ’ያ።

ኣብ ክንድኡ፣ ኣህጉራዊ መምዘኒታት ዘማልአ ሓድሽ ቤት ማእሰርቲ ክህነጽ ምዃኑ ዝሓበረ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ እዚ ኢትዮጵያ ትወስዶ ዘላ ተበግሶ፣ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ናይ ተቓወምቲ ሓይልታት ፖለቲካ ዘተ ንምትብባዕ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ኣሽሓት ናይ ፖለቲካ እሱራት ከምዘለዋ ብተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ክትውቀስ ዝጸንሐት ኢትዮጵያ፣ ነቲ ክሲ ክትነጽጎ ድሕሪ ምጽናሕ’ያ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ኩሎም ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፍትሑ ምዃኖም ዘመልክት ዘሎ።

ኢትዮጵያ ኣቐዲማ ኣብ ዞባ ጌዶ ኣብ ዝተኻየደ ናዕብን ዕግርግርን ብምስታፎም ተኣሲሮም ዝጸንሑ ልዕሊ 300 ኢትዮጵያውያን ምሕረት ከምዝገበረትሎም ኣይርሳዕን።

እዞም ሕጂ ክፍትሑ ምዃኖም ዝግለጹ ዘለዉ ናይ ፖለቲካ እሱራት ብዝሖም ክንደይ ምዃኑ ኣይተሓበረን።

====================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0