ቀጠር ካብ ብሪጣንያ 24 ነፈርቲ ውግኣት ንምሽማት ትሰማማዕ

ቀጠር ካብ ብሪጣንያ 24 ነፈርቲ ውግኣት ንምሽማት ትሰማማዕ

 Radio Erena: 19 September 2017

tayphon

ምስ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ምትፍናን እትርከብ ቀጠር ካብ ብሪጣንያ ‘ዮሮ ታይፉን’ ዝዓይነተን 24 ነፈርቲ ውግእ ንምሽማት ስምምዕ ከምዝኸተመት ተሓቢሩ።

ብሪጣንያ ኣቐዲማ’ውን ኣስታት 10 ቢልዮን ዶላር ዝተገመታ፣ 72 ነፈርቲ ውግእ ንስዑዲ ዓረብ ክትሸጠላ ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሐት ይፍለጥ።

እዚ ናይ ቀጠር ስምምዕ’ውን ከምዝተኸተመ ዘረጋገጸ መንግስቲ ብሪጣንያ፣ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ምትሕግጋዝ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት’ዩ ክብል ገሊጽዎ።

ቀጠርን ብሪጣንያን ኣብዚ ስምምዕ ዝበጽሓ፣ ኣሚር ቀጠር ሸኽ ታሚም ቢን ሓማድ ኣልታኒ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃገራት ኤውሮጳ ድሕሪ ምዝታዩ’ዩ።

 ሓይልታት ሰራዊታ ብዓይነትን ብቕዓትን ንምድልዳሉ እትሰርሕ ዘላ ቀጠር፣ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ምስ ሓይሊ ባሕሪ ፈረንሳ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ምክያዱ’ውን ምንጭታት ዜና ይጠቕሱ።

ቀጠር ብዘይካ’ዚ፣ ካብ ኣመሪካ ‘ኤፍ 15’፣ ካብ ፈረንሳ ድማ ‘ራፋል’ ዝዓይነተን፣ ኣስታት 20 ቢልዮን ዶላር ዝዋግአን10ታት ነፈርቲ ኵናት ንምሽማት ስምምዕ ምኽታማ ይዝከር።

ኣብ መንጎ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ተኸሲቱ ዘሎ ምስሕሓብ፣ ንኣመሪካን ሒደት ሃገራት ኤውሮጳን የርብሕ ምህላዉ ተንተንቲ የረድኡ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0