ቀጠር ኣስታት 200 ሚልዮን ዶላር ንመንግስቲ ሶማል ለጊሳ

ቀጠር ኣስታት 200 ሚልዮን ዶላር ንመንግስቲ ሶማል ለጊሳ

Radio Erena: 30 November 2017

Qatar Somalia 200

ቀጠር ኣስታት 200 ሚልዮን ዶላር ንመንግስቲ ሶማል ከምዝለገሰት ተሓቢሩ።

እቲ ሓገዝ፣ ኣብ ምህናጽ ስትራቴጅያውያን ጽርግያታት ምሕዳስ ቤት መንግስትን ምምዕባል መደባት ትምህርትን ክውዕል ተመዲቡ ከምዘሎ ዳይረክተር ምወላ ንልምዓት ቀጠር ከሊፋ ቢን ጃስም ኣል ኩዋሪ ኣፍሊጡ።

ንሱ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማልን ካልኦት ሰበ ስልጣን እታ ሃገርን ኣብ ዝተራኸበሉ ብ28 ሕዳር፣ እቲ ሓገዝ መርኣያ ናይቲ ቀጠር ኣብ ጎኒ ህዝብን መንግስቲ ሶማል ምህላዋ’ዩ ክብል ገሊጹ።

ሶማልያ፣ ምስ ቀጠር ዘለዋ ዝምድና ክትበትኽ ብስዑዲ ዓረብ ጸቕጢ ክግበረላ እኳ እንተጸንሐ፣ እታ ሃገር ኣብ ጉዳይ ምስሕሓብ ስዑዲ ዓረብን ቀጠርን ናይ ሓደ ወገን ጸግዒ ከምዘይትሕዝ ብወግዒ ብምግላጽ፣ ነቲ ናይ ስዑዲ ድፍኢት ከምዝነጸገቶ ይዝከር።

ኣብ ዞባ አርኒ ኣፍሪቃ ካብ ዝርከባ ሃገራት ኤርትራን ጅቡቲን ጸግዒ ስዑዲ ዓረብ ብምሓዝ ኣንጻር ቀጠር ደው ክብላ እንከለዋ፣ ሱዳን፣ ሶማልያን ኢትዮጵያን ግና ዝኾነ ጸግዒ ከምዘይሕዛ’የን ኣነጺረን።

ጅቡቲ ምስ ቀጠር ዝነበራ ዝምድና ጠቕሊላ ብምብታኽ ኣብ ኣዶሓ ዝነበረ ኤምባሲኣ ክትዓጹ እንከላ ፣ ኤርትራ ግና ምስታ ኣብ ቁጠባዊ ሓገዝ ዝተመርኮሰ፣ ንልዕሊ 10 ዓመታት ጥቡቕ ርክብ ዝጸንሓ ቀጠር ዝምድንኣ እኳ እንተዛሕተለት፣ ኤምባሲኣ ግና ጠቕሊላ ኣይዓጸወትን።

=========================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0