ቀጠር፣ ደቀንስትዮ ሕጹያት ኮይነን ዝቐረባሉ፣ ፈላሚ ምርጫ ቤት ምኽሪ ሹራ ተኻይዱ

Radio Erena: 06 October 2021

ኣብ ቀጠር፣ ፈላሚ ምርጫ ኣባላት ስድራቤት ቤት ምኽሪ ሹራ ተኻይዱ።

45 መናብር ካብ ዘለዎ ቤት ምኽሪ ሹራ፣ እቲ 30 ብ2 ጥቅምቲ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ንዝዕወቱ ክሕዛእ እንከሎ እቲ ዝተረፈ 15 ድማ ብኣሚር ቀጠር ብቐጥታ ዝርቁሑ’ዮም።

እቶም ከም ኣማኻርቲ ንጉስን ሓገግቲን ዘገልግሉ 45 ኣባላት ሹራ፣ ቅድሚ እዚ እዋን’ዚ፣ ብቐጥታ ብኣሚር ቀጠር’ዮም ዝርቁሑ ኔሮም።

ኣብዚ ንመጀመርያ እዋኑ ዝተኻየደ ታሪኻዊ ምርጫ ግና፣ ነቲ 30 መናብር ንምዕዋት፣ 28 ደቂንስትዮ ዝርከብኦም 284 ሕጹያት ንውድድር ቀሪቦም።

እንተኾነ ኣብዚ ቦኽሪ ምርጫ ቀጠር፣ ኣባል ቤት ምኽሪ ሹራ ንምዃን ዝተዓወተት ጓለንስተይቲ የላን።

ብንጉሳዊ ስርዓት እትመሓደር ቀጠር፣ ኣስታት 2.8 ሚልዮን ነበርቲ ክህልውዋ እንከለዉ፣ እቶም ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ካብዚኣቶም ጥራይ’ዮም ዜጋታት።

እቶም ልዕሊ 2 ሚልዮን ግና፣ ብስራሕን ካልእን ኣብታ ሃገር ዝቕመጡ ወጻእተኛታት’ዮም።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0