ቀዳሞት ሚኒስተራት ኢትዮጵያን ሶማልያን ኣብ ጸጥታ ዘተኮረ ዝርርብ ኣካይዶም

ቀዳሞት ሚኒስተራት ኢትዮጵያን ሶማልያን ኣብ ጸጥታ ዘተኮረ ዝርርብ ኣካይዶም

Radio Erena : 11 March 2015

PMsES

ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል ዑማር ዓብዲራሽድ ዓሊ ሻርማርክን ኢትዮጵያ መዘንኡ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ ጉዳይ ጸጥታ ሶማል ን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዘተኮረ ዝርርብ ኣካይዶም።

እቲ ብሰኑይ 9 መጋቢት ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ዝርርብ ክልትኤም ቀዳሞት ሚኒስተራት፣ ንተራ ኢትዮጵያ ኣብ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ’ውን ከምዘልዓለ ማዕከናት ዜና ሶማል የመልክታ።

ክልትኤን ሃገራት ኣብ ደቡባሲ ሶማል ደጀኑ ጌሩ ንዘሎ ኣልሸባብ ብሓባር ንምጽራጉ ቃለ ከምዝኣተዉ’ውን ተሓቢሩ።

 

ኢትዮጵያ ነዚ ንምትግባር ናብታ ካብ ከተማ ሞቛድሾ 500 ኪሎሜተር ንደቡብ ርሒቓ እትርከብ ወደባዊት ከተማ ኪስማዮ ተወሳኺ ሰራዊት ክትልእኽ ከምእትኽእል’ውን ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣንፊታ።

ኢትዮጵያ ኣብ ሶማል ልዕሊ 30 ሽሕ ሰራዊት ኣዋፊራ ከምዘላ ኣህጉራውያን ጸብጻባት የመልክቱ።

===========================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0