ቀዳም 29 ነሓሰ ኣብ ዝጅምር ዙር ፈረንሳ፣ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣይክሳተፉን’ዮም

Radio Erena: 25 August 2020

ቀዳም 29 ነሓሰ፣ ካብ ከተማ ኒስ ኣብ ዝጅምር፣ ብዕቤቱን ህቡብነቱን ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ፡ ውድድር ብሽክለታ ቱር ደ ፍራንስ 2020፡ ተስፋ ዝተነብረሎም ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣይክሳተፉን’ዮም።

ኣብዚ ንመበል 107 ዓመት ዝካየድ ዘሎ ውድድር፣ ን22 ክለባት ዝወከሉ 176 ተቐዳደምቲ ክሳተፉ’ዮም።

ኤርትራዊ ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ ክለብ ኣስታና መርሃዊ ቅዱስ፣ ኣብዚ ቅድድም ክሳተፍ ልዑል ትጽቢት ተጌሩ’ኳ እንተነበረ፡ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ቱር ደ ፍራንስ ብዘስፈሮ ዝርዝር ኣስማት ተሳተፍቲ ግን፡ መርሃዊ ምስ ተተካእቲ’ዩ ዝርከብ።

ይኹን’ምበር፣ ክለቡ ኣስታና ብወገና ኣብ ቱር ደ ፍራንስ እተሰልፎም ተቐዳደምቲ መነመን ምዃኖም ክሳብ ሕጂ ብወግዒ ኣየፍለጠትን።

ኤርትራዊ ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ ክለብ ኒፖን ቴሌግራፍ ኤንድ ቴሌፎን ( NTT ) ናትናኤል ተስፋጽዮን እውን፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ካልእ ቅድድም ተጸሚዱ ስለዝርከብ፣ ኣብዚ ክሳብ 20 መስከረም ዝጸንሕ ቅድድም ዙር ፈረንሳ ኣይክርከብን’ዩ።

ወዲ ጋንትኡ ንናትናኤል ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ኣማኑኤል ገብረዝጋብሄር ድማ፡ ኣብ ዝርዝር ኣስማት ተሰለፍቲ ናይታ ጋንታ ስለዘየለ፣ ዛጊት ተረኺቡ ብዘሎ ሓበሬታ፣ ሎሚ ዓመት ኣብ ቱር ደ ፍራንስ ዝሳተፍ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ኣይክህሉን እዩ።

ናይዚ ዓመት’ዚ ቅድድም ብሽክለታ ዙር ፈረንሳ፣ ጎላጉልን ተረርቲ ዓቐበት ዘጠቓለለ 3,470 ኪሎ ሜትር ክሽፍን ትጽቢት ተጌርሉ ኣሎ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0