ቀዳማይ ሚኒስተር ፈረንሳ፣ ናብ ጂቡቲ ክበጽሕ ምዃኑ ተገሊጹ

Radio Erena: 07 December 2021

ቀዳማይ ሚኒስተር ፈረንሳ፣ ዦን ካስቴክስ፣ ናብ ጂቡቲ ክበጽሕ ምዃኑ መርበብ ሓበሬታ ኣፍሪካን ኢንተሊጀንስ ገሊጹ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብታ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር ዝበጽሓሉ ዕለት እኳ እንተዘይተነጸረ፣ ልደት ፈረንጂ ኣብ ጂቡቲ ዓስኪሮም ምስ ዝርከቡ ሰራዊት ሃገር ክጽንብል ተኽእሎ ምህላዉ’ዩ እቲ ምንጪ ጠቒሱ።

ዦን ካስቴክስ፣ ኣብ ጂቡቲ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፣ ብዘይካ’ዚ ምስ ሰራዊት ሃገሩ ብምርኻብ ዝመያየጠሉ መድረክ፣ ምስ ሰበ ስልጣን ጂቡቲ’ውን ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ምትሕግጋዝ መድረኽ ክዘራረብ ትጽቢት ኣሎ።

ኣብ ጂቡቲ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ልዕሊ 1500 ወትሃደራት፣ ሓይልታት ኣየርን ባሕርን ዘጠቓለለ ሰራዊት ፈረንሳ ዓስክሩ ይርከብ።

ኣብዛ ግዝኣት ፈረንሳ ዝነበረት ንእሽቶ ሃገር፣ ኣመሪካ፣ ጃፓንን ቻይናን’ውን ሰራዊተን ኣዒስኪረን ምህላወን ይፍለጥ።

ኢትዮጵያ ብኵናት ኣብ ትሕመሰሉ ዘላ እዋን፣ ሓያሎ ሃገራት ድሕነት ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ዝርከቡ ዜጋታትን ንምውሓስ፣ ንጂቡቲ ከም ቀንዲ መናሃርያ ይጥምትኣ ምህላወን ይግለጽ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0