ቀዳማይ ሚኒስተር ዝመርሖ ላዕለዋይ ኣካል መንግስቲ ሶማል፣ ጂቡቲ ኣብ ዘአንገደቶ ዋዕላ ይሳተፍ ኣሎ

Radio Erena: 15 December 2021

ቀዳማይ ሚኒስተር ሑሰን ሮብለ፣ ኣብ ጂቡቲ ኣብ ዝካየድ ዘሎ፣ ኣብ ፖሊሲ ሶማል ዘተኮረ ዋዕላ ይሳተፍ ኣሎ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ብሚኒስተር ፍትሒን ካልኦት ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስቲን ተሰንዩ፣ ኣብቲ ብ13 ታሕሳስ ዝተኸፍተ፣ ብ ‘ ኢንስቲቱዩት ውርሻ’ ዝተወደበ፣ ናይ ዘተ መድረኽ ንምስታፍ ናብ ጂቡቲ ከምዘምርሐ ራድዮ ዳስላን ካብ ሞቛድሹ ኣረጋጊጻ።

ኣብ 2013 ኣትሒዙ ኣብ ሞቛድሾ ዝተመስረተ፣ ኢንስቲትዩት ውርሻ፣ ኣብ ህሉው ኩነታት፣ ሃናጺ ፖሊሲታትን ዝህሉ ኣማራጺታትን ኣብ ዝብሉ ዝተዳለወ መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ ብምቕራብ፣ ኣካላት መንግስቲ፣ ኣህጉራውያን ትካላትን መሻርኽቲን ክሳተፍዎ ዝገብር ትካል’ዩ።

እቲ ትካል፣ ምርጫ ሓደ ካብ ዓበይቲ እዋናዊ ፖለቲካዊ ብድሆታት ሶማል ኮይን’ሉ ኣብ ዘሎ እዋን’ዩ፣ ኣብ ጂቡቲ ዋዕላ ወዲቡ ዘሎ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0