ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ጂቡቲ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካይዱ

Radio Erena: 15 September 2022

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፣ ኣብ ጂቡቲ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምክያድ ብ14 መስከረም ናብታ ሃገር ኣትዩ።

ዕላማ ዑደት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ ጂቡቲ ንጹር እኳ እንተዘይኮን፣ ብዛዕባ’ቲ ብድፍኢት ኣመሪካ ዝተበገሰ ዘተ ኣብ መንጎ መንግስቲን ህወሓትን ንምምይያጥ ክኸውን ከምዝኽእል ይጠቀስ።

ኵናት ሰሜን ኢትዮጵያ ዳግማይ ድሕሪ ምውልዑ፣ ወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን፣ ብድፍኢት ኣመሪካ ኣብ ጂቡቲ ዘተ ከምዝጀመሩ ተሓቢሩ’ዩ።

እንተኾነ ውጽኢቱ ዛጊት ኣይተፈልጠን።

ህወሓት፣ ኣቐዲሙ ክነጽጎ ዝጸንሐ መንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ንስምምዕ ምቑራጽ ቶዅሲን ዝርርብ ንዘተ ሰላምን ከምዝቕበል ድሕሪ ምግላጺ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወግኑ ራብዕቲ ጸኒሑ እወታዊ ምላሽ ሂብሉ ኣሎ።

እቲ መንግስቲ፣ ነቲ ብህወሓት ዝቐረበ ጻውዒት ንስምምዕ ምቑራጽ ቶዅሲን ዝርርብ ንዘተ ሰላምን ከምዝቕበል ዝተገልጸ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ጂቡቲ ኣብ ዘምርሓሉ ዕለት’ዩ።

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣምባሳደር ማይክ ሃመርን ወከልቲ ሕብረት ኤውሮጳን’ውን ኣብ ጂቡቲ ከምዘለዉ ዲፕሎማሰኛታት ኣንፊቶም።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0