ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትይጵያ ብወለንትኡ ካብ ስልጣኑ ክእለ ሓቲቱ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትይጵያ ብወለንትኡ ካብ ስልጣኑ ክእለ ሓቲቱ

Radio Erena: 15 February 2018

Hailemariam

ተቓውሞን ናዕብን ህዝብታት ኢትዮጵያ እናሓየለ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ብወለንትኡ ካብ ስልጣኑ ክእለ ከምዝሓተተ ኣፍሊጡ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ሎሚ 15 ለካቲት ብቴሌቪዥን ሃገሩ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ጽገናዊ ለውጥታት ንምትግባርን ሰላምን ደሞክራሲን ኢትዮጵያ ንምውሓስን፣ ካብ ስልጣኑ ክእለ ኣገዳሲ ውሳኔ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ድሕሪ ሃንደበታዊ ሞት ቀዳማይ ሚኒስተር ነበ ኣቶ መለስ ዜናዊ ኣብ 2012 ስልጣን ዝተረከበ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ ካብ ኣቦ መንበርነት ናይቲ ብልፍንቲ ውድባት ዝቖመ ኢህወደግ’ውን ከምዝተኣልየ ገሊጹ ኣሎ።

ፓርላማ ኢትዮጵያ ንምእላይ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ብወግዒ ክሳብ ዘጽድቕን መተካእታ ቀዳማይ ሚኒስተር ክሳብ ዝመርጽን ከም ኣላዩ መንግስቲ ኮይኑ ክጸንሕ ምዃኑ’ዩ ወሲኑ ዘሎ።

ይኹን’ምበር ፓርላማ ኢትዮጵያ ዝእከበሉ ይኹን ውሳኔ ዝህበሉ ዕለት ዛጊት ኣይተሓበረን።

ብሰንኪ’ቲ ካብ 2015 ኣትሒዙ ኣብ ኩሉ ክፋላት ኢትዮጵያ ጸጸኒሑ ዝነቱግ ዘሎ ተቓውሞን ናዕብን ህዝቢ፣ ኣቐድድዲሞም ኣፈ ጉባኤ ፓርላማ ኣባ ዱላ ገመዳን ሚኒስተር መራኸቢታትን ኣፈኛ መንግስትን ነበር ኣቶ በረኸት ስምኦንን ካብ ስልጣኖን ንምእላይ ከምዝሓተቱ ኣይርሳዕን።

እንተኾነ ፓርላማ ኢትዮጵያ፣ ንኣፈ ጉባኤኡ ናብ መዝነቱ ክምለስ ድሕሪ ዝተገብረ ካልእ ምርድዳእ ኣባዱላ ገመዳ ኣብ ስልጣኑ ይቕጽል ከምዘሎ ይግለጽ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ደርግ ኣብ 1991እቲ ዝኸበደ ህዝባዊ ተቓውሞን ናዕብን ገጢምዎ ይርከብ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0