ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብ ሱዳን ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ የካይድ

Radio Erena: 26 January 2023

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ሱዳን ወግዓዊ ምብጻሕ የካይድ ምህላዉ፣ ኣገልግሎት ዜና ሱና ሓቢሩ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ብሓሙስ 26 ጥሪ ናብ ካርቱም ድሕሪ ምእታዉ፣ ምስ ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ካልኦት ሰበ ስልጣን መንግስቲን፣ ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት ክመያየጥ ምዃኑ ኣገልግሎት ዜና ሓቢሩ።

ኣብይ ኣሕመድ ናብ ሱዳን ዝበጽሐ ዘሎ፣ ሲቪላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ንምቛም ናይ መወዳእታ ናይ ዘተ መድረኽ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን ምስ ምዃኑ፣ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዘተ ንዘይተጸንበራ ውድባትን ሰልፍታትን ናብቲ መኣዲ ንምቕርራበን ተበግሶ ንምውሳድ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ሲቪላዊ መንግስቲ ንምቛም ይዛተዩ ምስ ዘለዎ ዝተፈላለዩ ፖለቲካውያን ሓይልታት ሱዳን’ውን ክመያየጥ ትጽቢት ኣሎ።

ኣቐዲማ ግብጺ ተመሳሳሊ ተበግሶ ወሲዳ እኳ እንተነበረ፣ ክልተ መዓልታት ጸኒሓ ግና ከምዝሰሓበት ኣፍሊጣ።

ዑደት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን፣ ዶባዊ ምስሕሓብን ኣጠቓቕማ ናይልን ዝርከቦ ገና መዕለቢ ዘይረኸበ ጉዳያት ንዘለወን እዘን ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት፣ ብዝያዳ ከቐራርበን ተኽእሎ ከምዘሎ ተንተንቲ የረድኡ።

ብፍላይ ብጉዳይ ‘ቲ ሰፊሕ ናይ ሕርሻ መሬት ዝርከቦ ዞባ ኣልፋሺጋ፣ ክልቲኤን ሃገራት፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ብውሕዱ ሰለስተ እዋን ናብ ወትሃደራዊ ረጽሚ ከምዘምርሓን፣ ዝበዝሐ እቲ ንነዊሕ ዓመታት ከስሓሕብ ዝጸንሐ ከባቢታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሱዳን ከምዝኣተወን ይፍለጥ።

ኢትዮጵያን ምስ ሱዳን ክትዝቲ እንተኾይና፣ ሰራዊት ሱዳን፣ ናብቲ ቅድሚ 06 ሕዳር 2020 ዝነበሮ ከባቢታት ክምለስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክጽውዕ ጸኒሑ።

======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0