ቀይሕ ባሕሪ፣ ን5 ዓመታት ኣብ ሰንፈላል እትርከብ ነዳዲ ዝጸዓነት መርከብ፣ ንክሊ ማያት የመን፣ ኤርትራ፣ ጂቡቲን ስዑዲ ዓረብን ከይትብክል መጠንቀቕታ ቀሪቡ

Radio Erena: 24 July 2020

ኣብ ገማግም የመን ን5ዓመታት ተንሳፍፍ ዘላ ነዳዲ ዝጸዓነት መርከብ፣ ንክሊ ማያት ኤርትራ፣ ጂቡቲን ስዑዲ ዓረብን ክትብክል ከምእትኽል ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ።

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ ዝሃለፈ ሰሙን፣ ንህሉው ኩነታት ናይታ፣ ዋንነታ ናይ መንግስቲ የመን ዝኾነት፣ ካብ 2015 ኣትሒዛ ግና ኣብ ትሕቲ ሑቲ ዝወደቐት፣ መርከብ ብምዝልከት ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ’ዩ ነዚ መጠንቀቕታ ዘቕረበ።

እታ ልዕሊ 1 ሚልዮን በርሚል ዝግመት ነዳዲ ጽዒና፣ ንሓሙሽተ ዓመታት፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ሰንፈላል እትርከብ መርከብ፣ ላሕኵ ስለዘጋጠመ፣ ክትፍንጀር ከምእትኽእል’ውን ኣቐዲሙ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

እቲ ነዳዲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እንተፈሲሱ፣ ብዘይካ’ቲ ኣብ ገፈፍቲ ዓሳ ዝህልዎ ቀጥታዊ ሓደጋ፣ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ’ውን ብቀሊሉ ክእለ ናብ ዘይክእል ብከላ ከቃልዖ ምዃኑ ተተንቲኑ።

እታ መርከብ ጽዕነታ ከተራግፍ ብሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ተደጋጋሚ መጸዋዕታ፣ ብዛዕባ ክትግበር ዘይምኽእሉ፣ ሑቲን ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ልፍንቲን ሓድሕዶም’ዮም ዝወቓቐሱ።

ሑቲ፣ ኣስታት 80 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ዋጋ’ቲ ነዳዲ ክኽፈሎ’ዩ ዝሓተትት።

ብስዑዲ ዓረብ ዝድገፍ መንግስቲ የመን ብወገኑ፣ እታ መርከብ ጽዕነታ ከይተራግፍ ሑቲ ጅሆ ሒዝዋ ምህላዉ’ዩ ዝኸስስ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0